ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ እስራኤል ንመሰላት ፍልስጤማዊያን ትጥሕስ አላ ኢሎም

  • ዜና ቪኦኤ
    ገብረ ገብረመድህን

ሓላፊ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት እስራኤል ኮነ ኢላ ንናይ ፍልጤማዊያን ሰብኣዊ መሰላት ትጥሕስ ኣላ ክብሉ ኮኒኖም። ሚንስትራት ወፃኢ ጉዳያት ሃገራት ዓረብ ሊግ ድማ ንቕትለት ፍልስጤማዊያን ኣሜሪካ እምባሲኣ ናብ እየ ሩሳሌም ምግዓዛን ኮኒኖምን።

ናይ ሕቡራት ሃገራት ሓላፊ ሰብኣዊ መሰላት ዘይድ ራዓድ 1.9 ሚሊዮን ሰባት ‘’ካብ ውልደት ክሳብ ሞት ጥዕና ኣብዘይብሎም ሰፈራት ተዳጒኖም ይንበሩ ኣለው’’ ክብሉ ሎሚ ዓርቢ ንፍሉይ ኣኼባ ናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ተዛሪቦም።ወታደራት እስራኤል ኣብዝሓለፈሶኑይ ኣብ ጋዛ ንኣስታት 60 ፍልስጤማዊያን ቶኪሶም ምቕታሎም እውን ተዛሪቦም።

“ቀዳማይሚንስትር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ እቶም ተሰለፍቲ ብሓማስ ዝተኸፈሎም እዮም፤ሓይልታት ፀጥታ እስራኤል ጉድኣት ንምንካይ ፈቲኖም እዮም ኢሎም ተዛሪቦም ኣለው።ሶኑይ ዝተፈፀመ ግን ሞት ንምንካይ ዝተገብረ ፃዕሪ እንተኾይኑ ዘረጋግፅ መርትዖ ኣይኮነን።ገሊኦም ሰልፈኛታት ጋዝ ዘለዎ ታኒካ፣ወንጭፍ እምኒ ዝኣመሰሉ ናብ እስራኤል ይድርቡ ነይሮም፤ንጋዛን እስራኤልን ዝፈልዩ ክልተ ሓፁራት ንምጥሓስ ዝፍትኑ እንተነበሩ እውን እዞም ስጉምትታት ንህይወት ሰባት ኣብ ሓደጋ ዘውድቑ ኮይኖም ምሕረት ኣልቦ ሓይሊ ክትወስድ ምኽኑይ ኣይገብሮን እዩ።”

እቲ ኣኼባ ‘’ዘፃሪ ነፃ ዓለምለኸ ኮሚሽን’’ ክጣየስ ውሳነ ከሕልፍ እዩ።እስራኤልን ኣሜሪካን እቲ ቤት ምኽሪ ፀረ እስራኤል መርገፂ ኣለዎ ክብላ ብተደጋጋሚ ይኸስኦ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ በዓል ስልጣን ፍልስጤም ሓናን ኣሽራው ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሰደር ኣሜሪካ ኒኪ ሃሊ ንኣባላት ሕቡራት ሃገራት የፈራርሓ ኣለዋ ክብላ ኸሲሰንአን።

ሃሊ ኣብ ጋዛ ኣስታት 60 ሰባት ዝተቐትልሉን ኣማእቲ ዝቖሰልሉን ደማዊ ህውከት ብሓማስን ደጋፊቶም ብዝኾነት ኢራንን ዝተለዓዐለ እዩ ክብላ ንቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ተዛሪበን እየን።ኣሽራዊ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ናይ ሃሊ ርእይቶ ንጋዜጠኛታት ክዛረባ ከለዋ።

“ፍልስጤማዊያን ኣብ ጋዛ ዘካየድዎ ተቓውሞ ካብ ናዕቢ ነፃ ብዝኾነ ኣገባብ እዩ።ዝርኣኹምዎ ጡሽን ሓዊን ዓሊሞም ቶክስቲ ከይቐትሉዎም ንምሽፋን ኣብ መሬቶም ዘንደድዎ እዩ።ብእስራኤል ንክትቕተል ህውከተኛ ምኻን ኣየድልየካን።”

እስራኤልን ኣሜሪካን እቶም ሰልፈኛታት ንናይ ዶብ ሓፁር ክጥሕሱ ፈቲኖም ይብላ። ሃሊምስ ምግዓዝ ኤምባሲ ኣሜሪካ ካብ ቴል ኣቪቭ ናብ እየርሳሌም ዝተገጣጠመን ሓማስ ዘለዓዐሎን እዩ ይብላ ሃሊ።

“ናይ ጋዛ ህውከት ምስ ምግዓዝ ኤምባሲ ኣሜሪካ ዘራኽብ የብሉን ዝብሉ ሰባት ተጋጊዮም።የግዳስ እቲ ናዕቢ እስራኤል ከም ሃገር ኣብ ዝኾነ ይኹን ቦታ ክትህሉ የብላን ካብ ዝብሉ ዝመፀ እዩ።እዚ ድማ ኣባል ሕቡራት ሃገራት ዝኾነት ሃገር ትጠፋእ ንዝብል ዘይቅቡል ድልየት እዩ።”

ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት እቲ ህውከት ክምርመር ንዝቕረበ ውሳነ ዓፅያቶ’ላ።

ብኻልእ ወገን ሚንስትራት ጉዳያት ወፃኢ ዓረብ ሊግ ኣሜሪካ ኤምባሲኣ ናብ እየሩሳሌም ምግዓዛ ኮኒኖምዋ።እቲ ቕትለት ዓለምለኸ ምርመራ ክገበረሉ ገሊኦም ፀዊዖም ኣለው።

ሓላፊ ዓረብ ሊግ ኣሕመድ ዓቡል ገይት ኣብ ኣኼባ ናይቲ ደንበ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ናይ ኣሜሪካ ስጉምቲ ንዓለምለኸ ሕጊ ዝጥዕስ እዩ ኢሎም።

ናይ ኣሜሪካ ስጉምቲ ብዓለምለኸን ናይ ዓረብ ዓለምን ዝተነፀገን ንዓለምለኸ ሕጊ ዝጠሓሰን እዩ።እቲ ስጉምቲ ኣብቲ ዞባ እውን ወጥሪ ኣልዒሉ’ሎ፤ናይ ኣሜሪካ ስጉምቲ እስራኤል ህውከት ንክትፈጥር ዘተባብዕ እውን ኢሎም ።

ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት ምምሕዳር ፍልስጤም ሪያድ ማሊኪ ኣሜሪካ ናብ እስራኤል ከም እተዳሉ ኤምባሲኣ ምግዓዛ እውን ታሪኻዊ ጌጋ እዩ ኢሎምዎ ኣለው።

ካልኦት ምንስትራት ጉዳያት ወፃኢ ኣባላት ዓረብ ሊግ ኣሜሪካኣውጊዞም ኣለው።ነቲ ጉዳይ ናብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝወስድዎ እውን ገሊፆም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ እስራኤል ንመሰላት ፍልስማዊያን ትጥሕስ አላ ኢሎም