ዋሽንግተን —
ኢራናዊያን እሱራት ኣመንቲ ክርስትና ብዙሕ ብዘይተለምደ ኩነት ናይ 10 መዓልታት ፍቓድ ዕረፍቲ ተዋሂቡዎም።
ናይ ኢራን ላዕለዋይ ኣካል ፍትሒ ክርስቲያን እሱራት በዓላት ምስ ስድራቤቶም ከሕልፉ ትማሊ ሰንበት ናይ 10 መዓልታት ፍቓድ ከምዝሃቦም ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ፀብፂቡ።ንእሽተይ ቁፅሪ ንዘለዎ ማሕበረሰብ ብዙሕ ዘይተለምደ ስጉምቲ እዩ ተባሂሉ ኣሎ።
ብመሰረት መርበብ ሓበሬታ እቲ ቤት ፅሕፈት ላዕለዋይ ሓላፊ ፍትሒ ኢራን ጎላም ሖሴን ኢጄይ ሰበስልጣን ኣብ መላእ እታ ሃገር ነቲ ትእዛዝ ክፍፅሙ ኣዚዞም ኣለው ።
እቲ መርበብ ሓበሬታ "እቲ ውሳነ ሓዱሽ ዓመት 2022ን ብዓል ልደት የሱስ ክርስቶስን ምኽንያት ብምግባርን እዩ" ይብል ።
እቲ ዜና ክንደይ እሱራት ተጠቅመቲ ናይ ቲ10 መዓልታት ፍቓድ ዕረፍቲ ፍቓድ ምዃኖም ግን ኣይገለፀን።