ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ቀ/ሚ ነበር ሃይለማርያም ደሳለኝን ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ ምስክርነት ክህቡ ኣዚዙ

ላዕለዋይ ፌደራል ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስትር ነበር ኃይለማርያም ደሳለኝን ዋና ፀሐፊ ኢጋድ ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁን ኣብ መዝገብ ክሲ ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኘው ብኣካል ቀሪቦም ንኽምስክሩ ኣዚዙ።

እቲ ቤት ፍርዲ ነዚ ትእዛዝ ዝሃበ ቅድም ክብል እቶም ናይ ምክልኻል መሰኻኽር ብቨርቹዋል ቴክኖሎጂ (ብርሕቐት) ክምስክሩ ይኽእሉ እዮም ኢሉ ንዝሃቦ ትእዛዝ ብምልዋጥ እዩ። ኣብዚ ናይ ክሲ መዝገብ ምስክርነት ከህቡ ዝድለዩ ኣባላት ምክልኻል ሰራዊት'ውን ብሚኒስትር ምክልኻል ሀገር ካብዘለውዎ ተደልዮም ክቐርቡ እቲ ቤት ፍርዲ ኣዚዙ።

ዋና ዳይሬክተር ሜቴክ ናይ ዝነበሩ ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኘው ጠበቓ ዝኾኑ ኣቶ ሃፍቶም ከሰተ ንድምፂ ኣመሪካ ከምዝገለፅዎ ካብ መንጎ እቶም ኣብ መዝገብ ክሲ ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኘው ናይ ምክልኻል ምስክርነት ክህቡ ዝድለዩ ሰባት ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስትር ዝነበሩ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝን ዋና ፀሐፊ ኢጋድ ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁን ይርከቡዎም። ቅድሚ ሕጂ ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ኣብዚ ናይ ክሲ መዝገብ ምስክርነት ንኽህቡ መፀዋዕታ ተገይሩሎም ብዘይምቕራቦም፣ ቤት ፍርዲ ተኣሲሮም ንኽቐርቡ ትእዛዝ ሂቡ ከምዝነበረ ጠበቓ ሃፍቶም ከሰተ ይገልፁ።

ኣማኻሪ ሕጊ ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ ዝኾኑ ኣቶ ዘሪሁን ዋዛ ብወገኖም እቶ ቀዳማይ ሚኒስትር መፀዋዕታ ቤት ፍርዲ በፂሑዎም ከምዘይፈልጥ ንድምፂ ኣሜሪካ ገሊፆም። ቤት ፍርዲ ተኣሲሮም ይቕረቡ ዝብል ትእዛዝ ምስሃበ ግን ኣቶ ሃይለማርያም ካብዘለኹዎ ዓዲ ብቪድዮ ኮንፈረንስ ክምስክር ይፈቐደለይ ብምባሎም፣ እቲ ቤት ፍርዲ ንሓሳቦም ተቐቢሉ ንሶምን ካልኦት ኣብ ወፃኢ ዘለው መሰኻኽርን ብቪድዮ ኮንፈረንስ ንኽምስክሩ ን30 ጥሪ 2014 ዓ.ም ቆፀሮ ሂቡ ምንባሩ ኣቶ ሃፍቶም ገሊፆም ኣለው። እቲ ቤት ፍርዲ ነዚ ትእዛዝ ብምልዋጥ ኣቶ ሃይለማርያም ብኣካል ቀሪቦም ይመስክሩ ዝብል ትእዛዝ ሂቡ ኣሎ።


ኣብዚ ናይ ክሲ መዝገብ ምስክርነት ክህቡ ዝድለዩ ዋና ፀሐፊ ኢጋድ ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ'ውን ቅድም ክብል ብኣካል ቀሪቦም ንኽምስክሩ ዝተዋህበ ትእዛዝ ተፈፃሚ ብዘይምኻኑ፣ ሎሚ ንኻልኣይ ጊዜ ብኣካል ቀሪቦም ምስክርነት ክህቡ እቲ ቤት ፍርዲ ኣዚዙ ኣሎ። እቲ መፀዋዕታ ብሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣቢሉ ክበፅሖም'ውን ትእዛዝ ተዋሂቡ ኣሎ። ብተመሳሳሊ ኣብ ወፃኢ ዝርከቡ ናይ ምክልኻል መሰኻኽር መፀዋዕተኦም ብፖስታ ክለኣኸሎምን፣ ብኣካል ቀሪቦም ክምስክሩን እቲ ቤት ፍርዲ ኣዚዙ።

ብተወሳኺ ኣብ መዝገብ ክሲ ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኘው ክምስክሩ ዝድለዩ ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ብሚንስትሪ ምክልኻል ሃገር ካብዘለውዎ ተደልዮም ክቐርቡን ብኣካል ተረኺቦም ምስክርነት ክህቡን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ኣዚዙ ኣሎ።እቶም ናይ ምክልኻል መሰኻኽር ብእዋኑ ተረኺቦም ዘይምምስካሮም ነቲ ከይዲ ፍርዲ የደንጉዮ ከምዘሎ ጠበቓ ሃፍቶም ከሰተ ገሊፆም ኣለው ።