ላዕለዋይ ሓላፊ ትካል ስደተኛታት ሕ/ሃ ኣሜሪካ ኣብ ዳግመ ምጥያስ ስደተኛታት ዘተኣታተወቶ ለውጢ ዘተባብዕ ምዃኑ ገሊጾም

  • ገብረ ገብረመድህን
    ዜና ቪኦኤ

ላዕለዋይ ኮሚሽነር ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፊሊፖ ግራንዲ ኣብ ኣሜሪካ ዘሎ ስርዓተ ዕቑባ ንምትሓዝ ኣፀጋሚ ከምዝኾነን ትካሎም ናብ ውጽኢታዊን'ውን ሰብኣውነት ዘለዎን ስርዓት ቀስ ኢሉ ክመሓየሽ ክሕግዝ እዩ ኢሎም።

ንሶም ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ኣብዘካየዱዎ ቃለ ምልልስ እቲ መስርሕ ምምሕያሽ ዝተሓላለኸን ንንምምዕርራዩ ዓመታት ዝወስድ ስራሕ ከምዝኾነን ብምግላፅ ኣብ ምምሕዳር ትራምፕ ተቋሪፁ ዝነበረ ምስፋር ኣብ ምምሕዳር ባይደን ምምሕያሻት ምርኣዮም ከምዝተተባብዑ ሓቢሮም።

ኣብ ምምሕዳር ትራምፕ 2016 ብዝሒ ናብ ኣሜሪካ ክኣትው ዝፍቀደሎም 85,000 ዝነበረ ኣብ 2020 ናብ 18,000 ወሪዱ።ምምሕዳር ባይደን ኣብዚ ዓመት ናብ 62,500 ዘዕበዮ ክኸውን ከለው ኣብ መጻኢ ድማ ናብ 125,000 ንምዕባይ መደብ ከምዘሎ ተሓቢሩ'ሎ።