ለበዳ ቫይረስኮሮና ድኽነትን ጥምየትን ኣብ ዓለም ክውስኽ ኣበርኽቶ ይገብር ምህላው ተገሊጹ

ለበዳ ቫይረስኮሮና አብ መላእ ዓለም ዝተፈላለዩ ዕንወታት የስዕብ ኣሎ።እቲ ለበዳ ዘስዓቦ ዝኸፍኣን ዝያዳ ዝውስኽ ዘሎ ድማ መጠን ድኽነት እዩ።

ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት: ባንክታትን ዓለምለኸ ትካላትን ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ጥራሕ ኣስታት 420 ሚልዮን ዝኮኑሰባት ንጥምየት ክቓልዑ እዪም። ካብዚኦም እቶም 60 ሚልዮን ዝኾኑ ድማ መዓልታዊ እቶቶም ትሕቲ 2 ዶላር እዩ።

አብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ዓመታት ድኽነት ንምቅ፟ናስ አብ ዝተገብረ ምንቅ፟ስቅ፟ስ ተረኺቡ ዝነበረ ዓብዪ ለውጢ ብሰንኪቫይረስኮሮና ንድሕሪት ክምለስ ኪኢሉ እዩ።ብሓፈሻ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት አብሓጺር እዋን መጠን ድኽነት ብዕጽፊክውስኽ ከምዝኸኣለ ተመራመርቲ ይዛረቡ።

ምክትል ፕረዚደንት ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝርከብ መጽናዕታዊ ትካል ሆሚ ካራስ ንኮቪድ-19 ሳዒቡ ዘጋጠመ ኩለመዳያዊዕንወት እዋናዊ ጥራሕ ዘይኮነስ ሱር ሰዲዱ ክጸንሕ ዝኸእል ጥፍኣት'ውን ከስዕብ ከምዝኸእል እዮም ይዛረቡ።

ድሕሪ 1990 ብምኽንያት ግሎባላይዜሽን እናዓበየ ዝመጸ ምንቅስቃ፟ስ ንግድን ቁጠባዊ ዓቅ፟ምን እቲ ርብዒ ዝኸውን ህዝቢዓለም ካብ ዝኸፍአ

ድኽነት ተናጊፉ እዩ።ቅድሚ ቫይረስ ኮረና ምጉናፉ ዓሰርተ ሚእታዊት ጥራሕ ዝኸውን እዩ አብ ዝኸፍአ ድኽነት ዝነበረ።

ክከላኸልዎ ብዝኸአሉ ሕማምን ጥምየትን ይሞቱ ናይዝነበሩ ህጻናት ቁ፟ጽሪ እውን ካብ 35 ሽሕ ናብ 15 ሽሕ ወሪዱ እዩ።

ይኹን እምበር እዚ ለበዳ ኣብ 2030 ብሕቡራት ሃገራት ተተሊሙ ዝነበረ ዝኸፍአ ድኽነት ካብ ምድረ ገጽ ናይ ምጥፋእትልሚ ዘኽሸፈ ኮይኑ ተረኺቡ እዩ።

ዘይመንግስታዊ ትካላት ሴቭ ዘ ቺልድረንን ዩኒሴፍን ከምዘመላኸትዎ ቅልጡፍ ስጉምቲ እንተዘይተወሲዱ ማእከላይንትሑት ኣታዊ አብዘለዎም ሃገራት ዝነብሩ ህጻናት ቁጽሮም ብ15 ሚእታዊ ወሲኹ 672 ሚልዮን ክበጽሕ እዩ።ካብዚኦምእቶም ሲሶ አብ ትሕቲ ሳህራ ናይ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃን ኤስያን ዝነብሩ እዮም።አብ ካልኦት ሃገራት ዓለም ዝርከቡ’ውንእንተኮኑ ቁጽሩ ድኣ ይፈላለይ እምበር ወሰኽ ክህልዎ ከምዝኸል ይዛረቡ።

ዋና አካያዲ ስራሕ ሴቭ ዘ ቺልድረን ኢንገር ኣሽንግ ኮቪድ19 ዘስዓቦ ጥምየትን ዋሕዲ መግብን ሳዕቤኑ ዝኸፍአከይኸውን በብእዋኑ መፍትሒ ከነናዲ ተጀሚርና አብ ድኻ ሃገራት ዝርከቡ ህጻናት ከነድሕኖም ንኸእል ኢና ይብሉ።

ባንኪ ዓለም አብ ድኽነት ዝርከባ ሃገራት ዓለም ሓገዝ ልቃ፟ሕ ብምንዳይን ዕደአን ዝኽፍላሉ ግዘ ብምንዋሕ እዚ ዝኸፍአእዋን ንኽሓልፈኦ ይጽዕር አለኹ ይብል።ከምኡ'ውን እቲ ለበዳ ዘብጸሖ ሓደጋ ንምንካይ ስጋብ 160 ቢልዮን ዶላር ልቃ፟ሕ ንምሃብ ቃል አትዩ እዩ።

ቫይረስኮሮና ብቀ፟ጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ገዛ ዝበጽሓ እካ እንተኾነ ዝያዳ ግን ናብረኦም ካብ ኢድ ናብ አፍዝኮነን ንሰእነት ስራሕ ኣብ ዝተቓልዑን ሳዕቤኑ ይኸፍእ።

ዳይሪክተር ፕሮግራም መግቢ ዓለም ዴቪድ ቤስሊብወገኑ አዝዩ ዝኸፍአ ክበሃል ብዝኸአል መልክዑ ጥምየት ብዕጽፊክውስኽ ከምዝኽእል ስግ ኣቶም ድሕሪ ምግላጽ ፣ ሓደጋ እቲ ለበዳ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዘጋነፈ ዝኸፍአ ሰብኣዊቅልውላው እዩ ይብሉ።

ንሶም ወሲኾም ብኹናት ሕድሕድን ምዝባዕ ኩነታት ኣየር ዘስዐቦ ሓደጋ ዝተቓልዑ ሃገራት ሓደገኛ ጥምየት ከጋጥመንከምዝክእል አብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓደጋ እቲ ለበዳ አመልኪቶም ንቤት ምኽሪ ሕቡራት ሃገራት ከምዘጠንቀቁ፟ ይሕብሩ።

እዚ ከም'ዚ ኢሉ እንተከሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘጓነፈን ወራር ዕስለ አምበጣ ፣ምዝሓል በጻሕቲ ሃገር፣ ምስ ምድኻም ንግዲሓዊሱ ሳዕቤኑ ዝኸፍአ ክኸውን ከምዝኽእል ብምግማት ዝማዕበላ ሃገራት ሓገዘን ከበርክታን ምስራዝ ልቃ፟ሕ ክገብራለንንይጽውዓ ኣለዋ ።

ዝርገሐ እቲ ለበዳ አብ ኣብ ምምዕባል ዘለዋ ሃገራት ደንጉዩ ምስ ምርኣዩ ከስዕቦ ዝኸእል ሓደጋ ብምግማት ባንኪ ዓለምንትካል ገንዘብ ዓለምን እዘን ሃገራት እቲ ለበዳ ንምክልኻል ኣብ ምሕጋዝ 26ቢልዮን ዶላር ልቃሕ ሂቡ’ዩ።