ህፃናት ክልል ትግራይ ናብ ትምህርቲ እንተ ተመለሱ’ውን ስንባደ ግን ኣይገደፎምን

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ክልል ትግራይ ንልዕሊ ኽልተ ዓመታት ዝተኻየደ ኲናት ብዙሓት ህፃናት ኣዘኽቲሙን ካብ ስድረኦም ፈላልይዎም። ስነ ኣእሙሮኣዊ በሰላታቱ ድማ ምስኦም ንነዊሕ እዋን ዝፀንሕ’ዩ። ናብ መዕቆቢ ተቀይሩ ዝርከብ ኣብ ቤት ትምህርቲ ማይ ወይኒ ዝርከቡ ዝተመዛበሉ ህፃናት ብሰንኪ ኲናት ንልዕሊ ኽልተ ዓመት ካብ ትምህርቲ ርሒቆም ጸኒሖም እዮም።