ህዩማን ራይትስ ዎች፡ ብሊንከን ኣብ ተሓታትነት ፍትሒ ከተኵር ይጽውዕ

  • ዜና ቪኦኤ

ዓለምለኸ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ ህዩማን ራይትስ ዎች፡ ብምኽንያት መገሻ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ኣመሪካዊ በዓል-ስልጣን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝራኸበሉ እዋን፡ ጉዳይ ተሓታትነትን ሰብኣዊ መሰላትን ቀዳምነት ክህቦ ጸዊዑ።

ንምምሕያሽ ዝምድና ኣመሪካን ኢትዮጵያን ናብ ኣዲስ ኣበባ ጽባሕ ዝኣቱ ዘሎ ብሊንከን፡ እቲ ሓርፊፉ ዝጸንሐ ርክብ ክልተ ወገናት ንምምሕያሽ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ዝተገብረ ኣወንታዊ ኣበርክቶ እንተሎ ክዘራረብ ምዃኑ መግለጺ ህዩማን ራይትስ ዎች ጠቒሱ`ሎ። እቲ መግለጺ ብምውሳኽ፡ “ኣመሪካ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ክልል ትግራይ ዝተፈጸመ ሰብኣዊ ጥሕሰታት ኣጸቢቓ ስለ እትፈልጥ፡ እዚ ዕድል፥ ፍትሒ ንምስጓም ዓቢ ኣጋጣሚ ክኸውን ኣለዎ፡” ኢሉ።

ህዩማን ራይትስ ዎች፡ ግዳያት ሰብኣዊ ግፍዒ ንኣመሪካን ካልኦት ሃገራትን ስለ ዝጥምቱ፡ ብሊንከን ነቲ ጉዳይ ዝግበኦ ክብደት ሂቡ ዘድሊ ስጕምቲ ክወስድ ጸዊዑ`ሎ።