"ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘቕረቦ ሕቶታት ሎሚ`ውን ኣይተመለሰን” ኣቶ በቀለ ገርባ

  • ዜና ቪኦኤ
    ተወልደ ወልደገብረኤል

ኣብ ቀረባ ካብ ቤት-ማእሰርቲ ዝተፈትሑን ኣብ`ዚ እዋን ኣብ`ዚ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ዝርከቡን ምኽትል ኣቦ-መንበር ፈደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ኣቶ በቀለ ገርባ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘቕረቦ ሕቶታት ሎሚ`ውን ኣይተመለሰን ኢሎም።

ኣቶ በቀለ ገርባ ነዚ ርእይቶ ዝሃቡ፡ ሎሚ ኣብ ስትድዮ ድምጺ ኣሜሪካ ቀሪቦም ኣብ ዝሃብዎ ቃለ-መጠይቅ’ዩ።

ንሶም ኣተሓሒዞም፡ ሕቶና ሱር-ነቀል ዝኾነ ለውጢ ንምምጻእ`ዩ-ስለዚ መንግስቲ ሱር-ነቀል ዝኾነ ለውጢ ከምጽእ ዝኽእል ኩነታት ከመቻችእ ኣለዎ ኢሎም።

“ሕቶ ህዝቢ ንምምላስ ብውሕዱ`ኳ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ክልዓል ይግባእ” ዝበሉ ኣቶ በቀለ ገርባ፡ “ናብ ዝተወልድናሉ-ቦታ ከይድና`ኳ ቤተ-ሰብና ክንሓትት ኣይክኣልናን” ክብሉ ተዛሪቦም፡።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

“ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘቕረቦ ሕቶታት ሎሚ`ውን ኣይተመለሰን” ኣቶ በቀለ ገርባ