ህውሓት ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ዝርከቡ ኣባላቱ ከምዝወፁ ኣፍሊጡ:ግብረመልሲ ፈደራል መንግስቲን

ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ህውሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ

ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ዝርከቡ ኣባላቱ ካብ ሎሚ ዕለት ጀሚሩ ከምዝወፁ ኣፍሊጡ::

ኣባል ፈፃሚ ስራሕ እቲ ውድብ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ከምዝገለፅዎ: ውድቦም ካብ ሎሚ ጀምሩ ብፌደራል ብርኪ ሕጋዊ መንግስቲ የለን ኢሉ ስለዝኣምን ኣብ መንግስቲ ፌደራል ዘለዉ ኣብ ሹመት ዝርከቡ ኣባላት ህወሓት ከምዝለቁ ገሊፆም::

ክልል ትግራይ ሃገራዊ ምስ ዝኾኑ ንህዝቢ ቁጠባውን ማሕበራዊን ረብሓ ካብ ዝህቡን ብተወሳኺ ድማ ናይ ፍትሒ ትካላት ጥራሕ እዩ ርክብ ዝህልዎ ኢሎም::

ኣይተ ጌታቸው ኣብያተ ምኽሪ ፌደረሽን ወከልቲ ህዝቢ ፌዴራል ሎሚ ብሓባር ኣብዘካየድዎ ኣኼባ ተወከልቲ ክልል ትግራይ ከምዘይተሳተፉ:ውድቦም ህወሓት ካብ ሎሚ ጀሚሩ ኣብቶም ኣብያት ምኽሪ ዝርከቡ ኣባላቱ 'ሕጋዊ ብዘይምኻኖም' ለቒቖም ኣለው ኢሎም::ብተወሳኺ እውን ብፖለቲካዊ ሹመት ኣብ መንግስቲ ፌደራል ዝርከቡ ኣባላት እቲ ውድብ ክለቁ መምርሒ ከምዝተውሃቦም ሓቢሮም::

ትግራይ ድሕሪ ሐዚ ምስዞም ትካላት ርክብ ኣይህልዎን ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው ሃገራዊ ምስ ዝኾኑ ንህዝቢ ቁጠባውን ማሕበራዊን ረብሓ ምስ ዝህቡን ብተወሳኺ ድማ ናይ ፍትሒ ትካላት ጥራሕ እዩ ርክብ ዝህልዎ ኢሎም::

ህወሓት ሃገራዊ ፀገም ንምፍታሕ ኩሉ ዘካተተ ሃገራዊ መድረኽ ክዳለው ፀዊዑ’ሎ::

ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ፈደረሽን ኢትዮጵያ አቶ አደም ፈራህ 3ሰነ 2012 ኢትዮጵያ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሕገ መንግስታዊ ከይዲ ብዝሓለወ ምርጫ ክናዋሕ ጌሩ’ዩ:እንተኾነ ነቲ ሕገ መንግስቲ ዘይግዝኡ: ሰላም ዘይደልዩን ጉጅለታ ነቲ ህዝቢ ንምድንጋር ይሰርሑ ኣለው ኢሎም::

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::

Your browser doesn’t support HTML5

ህውሓት ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ዝርከቡ ኣባላቱ ከምዝወፁ ኣፍሊጡ:ግብረመልሲ ፈደራል መንግስቲን