ህውሓት ምስ ውድብ ብልጽግና ከምዘይሓብር ብወግዒ ኣፍሊጡ

Your browser doesn’t support HTML5

ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ኣብ ዘካየዶ ህፁፅ ጉባኤ ውድብ ብልፅግና ዘይሕጋዊ እዩ ብምባል ንዘይምውሃድ ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ::እቲ ውድብ ንኽልተ መዓልታት ዘካየዶ ህፁፅ ጉባኤ ሸሞንተ ነጥቢ ዝሓዘ መግለፂ ብምውፃእ ትማሊ ኣማስዩ ተዛዚሙ::ህውሓት ምስ ኢህወዴግ ዝነበሮ ዝምድና መሰረት ብምግባር ዝነብረ ናይ ሓባር ሃብቲ ናይ ምክፍፋል ኸይዲ ብሕጋዊ መሰረት ንምፍፃም ከምዝተዳለወ ኣፍሊጡ::