ህንዲ: ቁጽሪ ብቫይረስኮሮና ዝተሓዙ እንተጎደለ'ዃ ሓፈሻዊ ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተሓዙ ግን ሕጂ'ውን ልዑል ምህላው ተገሊጹ

  • ዜና ቪኦኤ
    ተወልደ ወልደገብረኤል

ኣብ ህንዲ፡ ቁጽሪ መዓልታዊ ብቫይረስ ኮሮና ዝተሓዙ ክጎድል እንተጀመረ'ዃ ሕጂ`ውን ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተሓዙ ዘለው ሰባት ልዑል`ዩ ምህላው ተገሊጹ።

ሎሚ ሶኑይ ጥራይ ልዕሊ 366 ሺሕ በቲ ቫይረስ ዝተሓዙ ከምዝተመዝገቡን፡ ኣስታት 4 ሺሕ ሞት ከምዝተመዝገበን ሚንስትሪ ጥዕና ህንዲ ኣፍሊጡ`ሎ።

ህንዲ 22.6 ሚልየን ብቫይረስ ኮሮና ዝተሓዙ መዝጊባ ትርከብ: ኣመሪካ 32.7 ሚልየን ብምምዝጋብ ካልኣይ ደረጃ ተሰሪዓ'ላ ።

ብኻልእ ወገን በቲ ለበዳ ዝተጎድአት ጎረበታ ኔፓል-ቐረባት ኦክስጅን ሓጺሩኒ ትብል ኣላ። ናብ ጎቦ ኤቨረስት ዝድይቡ በጻሕቲ`ውን ነቲ ሒዞም ዝኸዱ ሲልንደራት ክወርዱ ከለዉ`ውን ክማልእዎ`ሞ ንኮቪድ ዝሓዞም ንክምላእ ዝብል መልእኽቲ`ውን ተሕፍል ኣላ።

ብኻልእ ዜና ኮቪድ፡ ኣብ ፖርቱጋል ዝተኣከቡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ንኩንትራት ፋይዘር ባዮን ተክ ክሳብ 2023 ዓ.ም. ክናዋሕ 1.8 ቢልየን ተወሳኺ ዓቐን ክታበት ከፍሪ ኣጽዲቖምሉ`ለዉ-።

ፋይዘር ዛጊት 600 ሚልየን ዓቐን ክታበት ንሕብረት ኤውሮጳ ኣረኪቡ`ዩ። ኣመሪካን እንግሊዝን ንህዝብና ኢና መጀመርያ ንኸትብ ብምባል ናብ ካልኦት ሃገራት እኹል ብዘይምልኣኸን ክንቀፋ ጸኒሐን ኣለዋ።