ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ካሜሮን ክካየድ ዝቐነየ ‘ቱር ዲ ለስፕዋ’ ተዓዊታ

ኣብ ካሜሩን ኣብ ዝተኻየደ ዙር ግምቢ ተስፋ ቅድድም ብሽክለታ Tour de l'Espoir ትሕቲ 23 ዓመት ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብውልቅን ብጋንታን ዓወት ተጎናጺፎም።

ኣብቲ ካብ ዝሓለፈ ሶኑይ ጀሚሩ ኣከታቲሉ ዝተኻየደ ቅድድም ብሽክለታ ዙር ግምቢ ተስፋ ካመሩን: ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ናትናኤል ተስፋጽዮን ብ 88 ነጥቢ: ያቆብ ደበሳይ ብ 86 ነጥቢ ከምኡውን ናትናኤል መብራህቶም ብ 63 ነጥቢተመራሪሖም ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ዓብላሊ ውጽኢት ኣመዝጊቦም። ጃፓናዊ ሾይ ማትሱዳ ድማ ራብዓይ ኮይኑ ተሰሪዑ ኣሎ።

ኣብ ዙር ግምቢ ተስፋ ካመሩን ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብዘይካ ብፖርቱጋላዊ ፍራንሲስኮ ካምፖስ ኣብ ካልኣይ መድረኽ ከምኡ’ውን ብርዋንዳዊ ሞይስ ሙገሻ ኣብ ሓምሻይ መድረኽ ኣብ ኩሉ ካልእ መድረኻት ብምዕዋቶም እዮም ብናይ ውልቅን ብናይ ጋንታን ክዕወቱ ዝኸኣሉ።

ኣብ ዙር ግምቢ ተስፋ ካሜሩን Tour de l'Espoir ትሕቲ 23 ዓመት ካብ ኣርጀንቲና: ኣልጀርያ: በኒን: ቡርኪናፋሶ: ካሜሮን: ኣይቨሪኮስት: ኤኳዶር: ግብጺ: ኤርትራ: ኢትዮጵያ: ጃፓን: ሞሪሽየስ: ሞሮኮ: ፖርቱጋል: ርዋንዳ: ቱኒዝያ: ሕቡራት ተቐዳደምቲ ኣፍሪቃን ሕብረት ኤውሮጳን ዝወከላ ጋንታታት ይሳተፋ ምህላወን መርበብ ሓበሬታ ናይቲ ዙር የረጋግጽ።

ዙር ተስፋ Tour de l'Espoir ብዓይኒ ካሜራ

ኣብ ዙር ተስፋ ካሜሩን ትሳተፍ ዘላ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ትሕቲ 23 ዓመት ብኣሰልጣኒ ዮናስ ዘካርያስ (ሓላባይ) ትእለ ምህላዋ ብተወሳኺ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።