ሃገራዊ ምርጫ ቦርድ ኢትዮጵያ ምዝገባ መረጽቲ ኣብ ገለ ክልላትን ክልተ ምምሕዳር ከተማታትን ምንውሑ ገሊጹ

ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ንምዝገባ መረፅቲ መብዛሕቲኦም ክልላትን ክልተ ናይ ከተማ ምምሕዳራትን ኣናዊሑ።

ቦርድ ምርጫ ግጭት ኣብ ዝነበሮም ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ብናይቶም ከባቢታት ሓይልታት ፀጥታ እናተሓገዘ ሎሚ ዓርቢ ምዝገባ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ብመሰረት ቅድሚ ሰለስተ መዓልታት ዝወፀ ኣሃዝ ኣብ ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ድምፂ ንምሃብ ትፅቢት ካብ ዝግበረሎም 40 ሚሊዮን መረፅቲ እቶም 28.7 ሚሊዮን ምምዝጋቦም ወግዓዊ ኮይኑ ኣሎ።

ቦርድ ምርጫ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ካብ ክልላት ዓፋርን ሶማሌን ወፃኢ ምዝገባ መረፅቲ ኣብ ሸውዓተ ክልላትን ክልተ ከተማታት ሎሚ ክዛዘም እንተነበሮ'ውን ምዝገባ ይካየደሎም ዝነበሩ ሃገራዊ ሃገራዊ በዓላት ብምዃኖምን ኣብ ገለ ቦታታት ናይ ምዝገባ እዋን ክዛዘም ክብል ከሎ ናይ መረፅቲ ጣቢያታት ከተእናግድሉ ካብዝኽእሉ ንላዕሊ ብርክት ዝበሉ መረፅቲ ብምምፅኦምን ናይ ምዝገባ ግዜ ብሓደ ሰሙን ተናዊሑ ኣሎ።

ቅድሚ ሎሚ እውን ምዝገባ መረፅቲ ን15 መዓልታት ተናዊሑ ነይሩ ይብል።