ዋሽንግተን —
ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮ ኤርትራ (ሃማመተኤ) መንእሰያት ነብሶም ንኽኽእሉ ዝተፈላለዩ ሞያዊ ስልጠና ብምሃብን መደብ ንኡስ ልቓሕን ብምትእትታውን ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊጹ።
ኣብቲ ማሕበር ሓላፊት ኣሃዱ ምሕያል መንእሰያትን ንኡስ ልቓሕን መንእሰይ ፍዮሪ ተስፉ ንድምጺ ኣመሪካ ከምዝሓበረቶ ፡ብደረጃ ሃገር ዓመታዊ ካብ ሓደ ሽሕ ክሳብ ሰለስተ ሽሕ ንዝኾኑ መንእሰያት 24 ዓይነታት ሞያዊ ስልጠናታት ከምዝህብን ነቶም ልቃሕ ዝደልዩ ክሳብ 20 ሽሕ ናቕፋ ዝበጽሕ ናይ ገንዘብን ዓይነትን ልቓሕ ብምሃብ ናብ ስራሕ ክኣትዉ ከምዝሕግዝ ሓቢራ።ካብቶም ተጠቀምቲ ናይዚ ስልጠናን መደብ ንኡስ ልቓሕን እተን 54% ደቂ ኣንስትዮ ከምዝኾኑ ዝሓበረት መንእሰይ ፍዮሪ ክሳብ ሕጂ ብዝተገብረ መጽናዕቲ እቲ መደብ ዝተባብዕ ውጽኢት ከምእተረኽቦ ተዛሪባ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።
Your browser doesn’t support HTML5