ሃገረ-ስብከት ክልል ትግራይ፤ “ኣብ ዋጋ-ዕዳጋ ኣይኣቱን”

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ጥሪ ካብ ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ተፈልዮም ናይ ባዕሎም ቤተክህነት ኣጣይሾም ምንባሮም ዕላዊ ገይሮም ዝነበሩ ሃገረ-ስብከት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ክልል ትግራይ፥ ኣብቲ እዋን ዘጣየሽዎ "ቤተክህነት መንበረሰላማ ከሳተ" ንዋጋ ዕዳጋ ከም ዘየቕርብዎን ብኡ ከም ዝቕፅሉን ኣፍሊጦም።