ሁማን ራይትስ ዎች: ጣሊባን ኣብ ልዕሊ ናይ ጸጥታ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ነበር ሕነ ናይ ምፍዳይ ስጉምቲ ይወስድ ምህላው ይገልጹ

ሓይልታት ምዕራብ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ካብ ኣፍጋኒስታን ድሕሪ ምውፀኦም ስልጣን ዝተረከበ ጣሊባን ኣቐዲሞም ኣባላት ስለያን ፀጥታን እታ ሃገር ንዝነበሩ ይቀትሎም ወይ'ውን ብኣስገዳድ ክስወሩ ይገብር ኣሎ ክብል ሁማን ራይት ዎች ሓቢሩ ።

ምቕማጡ ኒዉ ዮርክ ዝኾነ ሁማን ራይት ዎች ሓይልታት ጣሊባን ኣብ ኣርባዕተ ግዝኣታት ኣፍጋኒስታን ንልዕሊ 100 ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ሓይልታት ሃገራዊ ስለያ እታ ሃገር ዝነበሩ ከምዝቐተለን ብኣስገዳድ ክስወሩ ከምዝገበሮም ዘርኢ መረዳእታ ብዝገበሮ መፅናዕቲ ምርካቡ ኣተሓባባሪት ዳይሬክተር ሁማን ራይትስ ዎች ኤስያ ፓትሪሽያ ጋስሞን ይዛረባ ።

“ዒላማ ዝገበርዎ ነቶም ዝዋግኡዎም ዝነበሩ ሰባት እዩ ። ብጣሊባን ኮነ ብህዝቢ እቲ ኸባቢ ኣዝዮም ዝፍለጡን ኣብ ቅድሚት ዝስርዑን ዝነበሩ ሰባት ምኳኖም እዩ መፅናእትና ዘረጋገፆ ።”

ከም ሓበሬታ ሁማን ራይት ዎች እቲ ዝረከቦ መረዳእታታት ልዕሊ 80 ካብ ዝኾኑ ምስ መሰኻኽር ዓይኒ ፣ ቤተሰብን ሰበስልጣን ጣሊባንን ዝተገብሩ ቃለመሕተታት ዝተኣከብ ምዃኑ እዩ ። እቲ ቅትለትን ጭውያን ብቀንዲ ኣብ ግዝኣታት ግዝኒ ፣ ሄልማንድ ፣ካንዳሃርን ኩንዱዝ ምፍፃሞም ዝተመዝገብ ኮይኑ ኣብ መላእ ኣፍጋኒስታን ተመሳሳሊ መጥቓዕቲ ይፍፀም ምህላዉ ፀብፃባት ይሕብሩ።

ፓተርሽያ ጋስማን ጣሊባን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ስልጣን ኣብ ዝተረከቡሉ እዋን ተግባራት ሕነ ምፍዳይ ከምዘይፍፅሙ ቃል ኣትዮም እኳ እንተነበሩ ብተግባር ዝፍፀም ዘሎ ግን ንሱ እዩ ይብላ ።

“ ምሕረት ከምዝገብሩ እዮም ካቡል ካብ ዝርከብ ላዕለዎት ሰበስልጣናቶም ዝገለፁ ። ይኹን እምበር እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ግን ከምኡ ኣይኮነን ብፍላይ ንገለ ገሊኦም ዘይሰርሕ እዩ ። ኮነ ኢሎም ሰባት ብዝነበሮም ሓላፍነት ወይ'ውን ምስቲ ሰራሕተኛ ዝነበሮም ናይ ውልቂ ግያትት ክኾኑ ይረአ ።”

ፓተርሽያ ጎስማን ነዚ ዝሕግዞም ድማ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ነበር ሓዲጉዎም ዝወፀ መዛግባት ሰራሕተኛታት ምዃኑ ተመራመርቲ ይሕብሩ ። ኣብቲ ፈለማ ሰሙናት ዝተፈፀሙ መጥቓዕቲታት ሃንደበት ይመስሉ ነይሮም ናብ ካልኦት ግዝኣታት እናላሓሙ ምኻዶም ግን ኮነ ተባሂሉ ይፍፀም ምህላዉ እዩ ዘርኢ፤ ኣንፃሮም ዝኾነ ዓይነት ተቃዋሚ ንኸይለዓል ዝዓለመ ስትራቴጂ ይመስል ይብላ ፓተርሽያ ጎስማን ።

ጣሊባን ነቲ ዝወረደ ግፍዒ ኢድ ዝነበሮም ስጉምቲ ከምዝወሰደሎም እንተሓበረ'ውን ዝርዝር ሓበሬታ ግን ኣይሃበን ። ግዝያዊ ቀዳማይ ሚኒስተር መንግስቲ ጣሊባን ሙላህ ሓሰን ኣኩንድ ብቀዳም ብመራኸቢ ማዕከናት እታ ሃገር ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ሰበስልጣን ነበር እቲ ዝወደቐ መንግስቲ ኮነ ኢሎም ፀገም ክፍጠር ይገብሩ ኣለዉ ክብል ከሲሶም ።

“ ህዝቢ ብንቅቕሓት ክከታተል ይግባእ ። ካብቲ ዝሓለፈ መንግስቲ ተሓቢኦም ዝተረፉ ሰባት ዝተፈላለዩ ሓሳባት እናሃቡ ህዝቢ ክደናገፅን ኣብ መንግስቱ እምነት ክስእንን ከሰሓሕትዎ ይፍትኑ ኣለዉ ።” ኢሎም

ሁማን ራይትስ ዎች ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጣሊባን ይፍፅሙዎም ንዘለዉ ግፍዒታት ጥንቃቐ ዝተሓውሶ መርመርኡ ክቅቕፅል ይፅውዕ ።

ኣሜሪካ ፣ ባንኪ ዓለምን ትካል ዓለምለኸ ገንዘባዊ ተራድኦ 9.5 ቢልየን ዶላር ሃብቲ ማእከላዊ ባንኪ ኣፍጋኒስታን ብምኽልካሉ ጣሊባን ስልጣን ድሕሪ ምቁፅፃሮም ናብታ ሃገር ዝኣቱ ገንዘባዊ ምንዋስቃስ ተዓፅዩ እዩ ።ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት ግን ስዒቡ ክመፀእ ንዝክእል ቅልውላው የጠንቅቁቑ ኣለዉ ።

ብሚልዮን ዝቁፀሩ ሰባት ኣብ ኣፍጋኒስታን ከይተከፈሎም ዝሰርሑ ወይ'ውን ስራሕ የብሎምን ፣ መስረታዊ ድልየተት ህዝቢ ኣብ ጫፍ በፂሖም ይርከቡ ብዙሓት ኣፍጋናውያን ድማ ገዘኦም ሓዲጎም ክስደዱ ይግደጉ ኣለዉ ።