ስእነት ስራሕ መንእሰያት ክልል ትግራይ

Your browser doesn’t support HTML5

ስእነት ስራሕ መንእሰያት ክልል ትግራይ

ኣብ ክልል ትግራይ 60 ሚእታዊት ካብ መናእሰይ’ቲ ክልል ስራሕ ዘይብሎም ምዃኖም ሓላፊ ቢሮ ጉዳይ መናእሰይ ኣይተ ሓይሽ ስባጋድስ ገሊፆም።

ዕድል ስራሕ ንመናእሰይ ንምፍጣር ዝግበር ፃዕሪ እኳ እንተሃለወ በቲ ክሳብ ሕጂ ዝተዓመ ግን ዕግበት ከምዘይብሎም ኣይተ ሓይሽ ወሲኾም ይሕብሩ።

158-ሽሕ ዝኮኑ መናእሰይ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውደ ስራሕ ንምውፋር ከምዝተፈተነ ብዘይ’ካ እዚ ብውልቆም እውን ኣብ ስራሕ ሕርሻን ካልእን ዝተዋፈሩ ከምዘለው ኣይተ ሕስይሽ ስባጋድስ ይገልጹ።

ኣብ ዞባ ምብራቅ ከተማ ዓዲ ግራት ተወዲቦም ስራሕ ዝተፈጥረሎም መናእሰይ እውን ዕጉባት ከምዘይኾኑ ንድምጺ ኣመሪካ ይገልጹ።