መንእሰያት መጻኢ ኲናት ንምውጋድ ይምሕጸኑ

Your browser doesn’t support HTML5

መንእሰያት መጻኢ ኲናት ንምውጋድ ይምሕጸኑ

ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሎሚ 13 ጥቅምቲ 2023 ወግዓዊ ዝገበሮ፡ ነቶም ህይወቶም ኣብ ኲናት ትግራይ ዝሓለፉ ተዋጋእቲ ንምዝካር ሰለስተ መዓልታት ዝጸንሕ መዓልታት ሓዘን ኣዊጁ ኣሎ። ቀንዲ ግዳያት እቲ ዝነበረ ደማዊ ኲናት መንእሰያት ብምንባሮም፡ ሓድጊ’ቲ ዝነበረ ጎንጺ ዝዀኑ መንእሰያት፡ እቲ ኣዕናዊ መንገዲ ኣብ መጻኢ ከይድገም ተስፋኦምን ምሕጽንታኦምን የቕርቡ ኣለዉ።