ዓሰርተታት ኣሽሓት ደቡብ ኮርያውያን ሎሚ ሓሙስ ኣብ ቅድሚ ቤት ጽሕፈት ባይቶ እታ ሃገር ብምትእኽኻብ ንፕረዚደት ዩን ሱክ የዎል ዘለዎም ተቓውሞ ኣስሚዖም። ፕረዘንት ዩን፡ ብሰሉስ ምሸት፡ ፖለቲካዊ ተቓውሞ ክዓግት፡ መራኸቢታት ክዕፍንን ወታሃደራዊ ምምሕዳር ንሓጺር እዋን ዝጸንሐ ህጹጽ ወታሃደራዊ ሕጊኣዊጁ። ሕጂ ግን ንምውራዱ’ዩ ዘሎ እቲ መስርሕ።
ንፕረዚደንት ዩን ካብ መዝነቱ ንምእላይ ዝግበር ዘሎ መስርሕ ዝመርሕ ዘሎ ደሞክራሲያዊ ሰልፊ’ታ ሃገር፡ ንቐዳም ድምጺ ክህብ ምዃኑ’ዩ ኣመልኪቱ ዘሎ። ሃገራዊ ባይቶ እታ ሃገር ብህጹጽ ተኣኪቡ ውዱቕ ክሳብ ዝግበሮ፡ እቲ ኣዋጅ ወታሃደራዊ ምምሕዳር ንኣስታት ሽዱሽተ ሰዓታት’ዩ ተግባራዊ ኰይኑ።
ሎሚ ሓሙስ ነቲ ኣዋጅ ከም ዘማኸረ ዝንግረሉ ሚንስተር ምክልኻል እታ ሃገር ካብ መዝነቱ ተኣልዩ፡ ብኻልእ ተተኪኡ ኣሎ።
ፕረዚደንት ዩን ድሕሪ’ቲ ብቴለቪዥን እታ ሃገር ብቐጥታ ዝተመሓላለፈ ኣዋጅ ወታሃደራዊ ምምሕዳር፡ ብድሕሪኡ ናብ ህዝቢ ኣይቀረበን፡ ቤት ጽሕፈቱ’ውን ርእይቶ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ’ዩ ዘሎ።
ድሕሪ’ቲ ንኣስታት ሽዱሽተ ሰዓታት ዝጸንሐ ወታሃደራዊ ምምሕዳር፡ ድሩዓት መካይንን ምሉእ ዕጥቂ ኲናትን ዝሓዘሉ ወታሃደራት ንተቓውሞ ንምዕጋት ናብ ቤት ጽሕፈት ፓርላማ እታ ሃገር ተጓዪዮም’ዮም። ነቲ ትእዛዝ ዘሃበ ሚኒስተር ምክልኻል ሓላፍነት ናይቲ ዝተፈጸመ ተግባር ምሉእ ብምሉእ ከም ዝወስድን ገሊጹ ኣሎ--እቲ ካብ መዝነቱ ዝወረደ ኪም ዮንግ-ዩን ምዃኑ’ዩ።
ኣብቲ ዛጊት መን ከም ዝነደፎ ንጹር ዘይኰነ ናይ ህጹጽ ወታሃደራዊ ምምሕዳር ኣዋጅ፡ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ንዘይተወሰነ እዋን ዝኽልክል’ዩ። ኣብ ክንድኡ ኵሉ ነገር ብላዕለዋይ ወታሃደራዊ እዚ ዝምራሕ ክኸውን’ዩ ነይሩ እቲ መደብ።
ዓቃብ-ሕጊ ነቲ ሚኒስተር ምክልኻል ነበር ካብታ ሃገር ከይወጽእ ሎሚ ሓሙስ ኣዚዙ ኣሎ።
ኣብ እዋን ምእዋጅ ወታሃደራዊ ሕጊ፡ ፕረዚደንት ዩን ካብ ሰሜን ኮርያ ከቢድ ሓደጋ ህልውና ይገጥሞም ከም ዘሎ ጠቒሱ ነይሩ’ዩ። ብዘይካኡ ነቶም ቀንዲ ተቓወምቱ ወገናት ዝዀኑን ሕጂ ንምውራድ ካብ ስልጣን ዝደፍኡ ዘለዉን ሰልፊ ደሞክራሲያውያን ድማ “ጸረ-ሃገር”ን “በቲ ዝግበሩዎ ዘለዉ ቀጻሊ ምትእትታው ድማ መንግስቲ ኣደንዚዞም” ክብል ከሲሱዎም ነይሩ።
እንተዀነ እቲ ሰልፊ፡ ኣብ ስድራቤት እቲ ፕረዚደንት ኣሎ ንዝበሎ ተግባራት ብልሽውና’ዩ ኣብ ምጽራይ ነይሩ።
ፕረዚደንት ዩን ነቲ ኣዋጅ ዘሕለፈ ሒደት ሰዓታት ምስ ፕረዚደንት ክርጅይስታን ድሕሪ ምርኻቡ’ዩ። ኣብዚ ሰሙን ናብታ ሃገር ንምብጻሕ መዲቡ ዝነበረ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን’ውን ነቲ መንገሻ ከም ዝሰረዞ ኣሶሸይትድ ፕረስ የመልክት። ብተመሳሳሊ፡ ምስቲ ኣዋጅ ተተሓሒዙ ሓያሎ ኣብታ ሃገር ዝነጠፋ ቆንስላት ናብ ደቡብ ኮርያ ብዛዕባ ዝግበር መንገሻታት መጠንቀቕታ ንዜጋታት ሃገረን ጽሒፈን’የን። ኣብ ሶል ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ’ውን “እቲ ኩነታት ተለዋዋጢ ስለ ዘሎ” ኢሉ ብዝጸውዖ ምኽንያት ስራሓቱ ደው ኣቢሉ ኣሎ።
ንፕረዚደንት ዩን ካብ መዝነቱ ንምእላይ ካብቲ 300 መናብር ፓርላማ፡ ብውሑዱ 200 የድሊ። ተቓዋሚ ሰልፊ ደሞክራሲያውያን ድማ 192 መናብር’ዩ ዝሕዝ። እንተዀነ ተመሳሳሊ ፍጻመ 2016 ምስ እንውከስ፡ ብተመሳሳሊ ክሲ ብልሽውና ካብ መዝነት ፕረዚደንት ዝተኣልየት ፓርክ ጉየን-ሃይ፡ እንኮላይ ኣባላት’ቲ ንሳ እትመርሖ ዝነበረት ዓቃባዊ ሰልፊ ኣንጻር ድሕሪ ምድማጾም’ዮም ካብ መዝነታ ተኣልያ። ናይ ፕረዚደንት ዩን መስርሕ ድማ ክሳብ ቀዳም ድምጺ ዝወሃቦ መሊእካ ንምዝራብ ዘኽእል ኣይኰነን ክብል ጸብጻብ ኣሶሸይትድ ፕረስ ይሕብር።