እዞም የመናዊያን ስደተኛታት ብዙሕ ምርጫ የብሎምን። መብዛሕትኦም ነቲ ነዊሕን ሓደገኛን ጉዕዞ ናብ ኣውሮጳ ንምፍጻም ንዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ዝኽፈል ገንዘብ የብሎምን። እቲ ጉዕዞ ንውሽመጥ ኣደን ብምስጋር ካብኡ ብመሬት ናብ ግብጺ ካብኡ ድማ ንማእከላይ ባሕሪ ብምስጋር ይፍጸም። እዚ ኮይኑ ብዙሓት ብደሓን ሶማል ንምብጻሕ ዘይከአሉ፡ ሶማል ብጽቡቕ ዘይተቐበለቶም’ውን ኣለዎ። ድኽነት፡ ሽቅለት ኣልቦነት ልዑል’ዩ። ብመሰረት ጸብጻብ ሕ/ሃ ትካል ስደተኛታት ካብ 10,000 ሶማሊላንድ ዝኣተው ስደተኛታት 1,900 ዜጋታት የመን’ዮም ይብል።
ኣብ ሶማሊላንድ መዓስከር ስደተኛታት የለን ፡ መንግስቲ ነቲ ሓሳብ ዝድግፍ’ኳ እንተኾነ ሕ/ሃ ግን እቲ ቁጽሪ ስደተኛታት ነቲ መመዘኒ መዓስከር ዘማልእ ኣይኮነን ይብል።
ኣብ 1991 ዓ.ም.ፈ ድሕሪ ናይ ሰለስተ ዓመታት ኩናት ካብ ሶማል ዝተነጸለት ሶማሊላንድ ብዙሓት ካብ ህዝባ ተሞክሮ ስደት ዘለዎም እንተኾኑ’ኳ ዘሎ ዓቕሚ ንምሕጋዝ እዞም ስደተኛታት ግን ውሱን’ዩ።
ብዛዕባ'ቲ ኩነታት ከምዚ ይብሉ።
‘ ኩነታት እቶም ስደተኛታት ከም ኩነታት ዜጋታት ሶማል’ዩ ምክንያቱ ሶማልያዊያን’ውን እኩል ናይ ስራሕ ዕድል ኣይረኽቡን ። እቶም ክእለት ኣልይዎም ኣብ የመን ሰሪሖም ክነብሩ ዝኽእሉ ዝነበሩ ኣብዚ’ውን ሰሪሖም ክነብሩ ይክእሉ’ዮም ግን ክንሕግዞም’ውን ንፍትን ኣለና።’
እዞም ስደተኛታት ሶማሊላንድ ኣብ ዝኣተውሉ ናይ መግቢ፡ ሕክምናን ናይ ገንዘብ ሓገዝ ( $100) ካብ ሕ/ሃ ይወሃቦም ፡ ናብ ዝኾነ ክፋል ሶማል ንምኻድ’ውን ናይ መጉዓዝያ ሓገዝ ይግበረሎም እንተኾነ ግን እዚ እኹል ኣይኮነን።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
Your browser doesn’t support HTML5