ዋሽንግተን —
ዕጡቓት ሑቲ የመን ኣብ ቀይሕ ባሕሪን ባሕሪ ኣረብያን ንዘለዋ ሰለስተ መራኽብ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ምህቃኖም ትማሊ ሰሉስ ገሊፆም ክብል ሮይተርስ ሓቢሩ።
ወሃቢ ቃል ዕጡቓት ሑቲ የመን ያሕያ ሳሬያ ኣብ ቴሌቪዥን ዝሃብዎ መግለጺ ናብ ወደባት እስራኤል ዘምርሓ መራኽብ ዒላማ ከምዝገብሩ ተዛሪቦም።
ሰለስቲኤን ዒላማ እቲ መጥቃዕቲ ዝኾና መራኽብ ምዝጉባት ላይቤሪያ እየን።
ትካል ፀጥታ ሓይሊ ባሕሪ ብሪጣንያ ካብ ደቡባዊ ምዕራብ የመን 14 ማይልስ ርሕቀት ኣብ ዝርከበ ከባቢ ኣል ዱባብ ትጓዓዝ ዝነበረት ሓንቲ ናይ ንግዲ መርከብ ኣብ ጥቓኣ ክልተ ፍንጀራታት ምግጣሙ ትማሊ ሰኑይ ሓቢሩ።
ዕጡቓት ሑቲ የመን እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛን ሊባኖስን ትፍፅሞ ንዘላ መጥቃዕቲ ክሳብ እተቋርፅ ነዚ ተግባሮም ክቕፅልሉ ምዃኖም ገሊፆም።
እዚ ድማ ኣብ ንግዳዊ መራኽብ እቲ ዞባ ጽልውኡ ልዑል ክኸውን'ዩ። ቀይሕ ባሕሪ ምስ ወሽመጥ ዓደን ኣብ ዘራኽብ ዓለምለኻዊ ንግዲ ድማ ወሳኒ መስመር እዩ።