ዋሽንግተን —
ራህዋ ገብረመስቀልን ደስታ መኮነንን ይብሃሉ።ማንዴላ ዋሽንግተን ፌለውሺፕ ንኣፍሪካዊያን መናእሰይ መራሕቲ ኣብ ዝተብሃለ ፕሮግራም ንልዕሊ ሽዱሽተ ሰሙናት ካብ መንጎ ዝተሳተፉ ኢትዮጵያዊያን እዮም።ራህዋ ባህላዊ ክዳውንቲ ኢትዮጵያን ኣፍሪካን ብደረጃ ዓለም ንምፍላጥ ዋዊ ፋሽን ተባሂሉ ዝፅዋዕ ናይ ባዕላ ትካል ኣጣይሻ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ምስራሕ ትርከብ።ደስታ መኮነን ድማ Crowdion IT Solution ብዝብል ሽም ዝፅዋዕ ናይ ባዕሊ ናይ ሓበሬታ ቴክኖሎጂ ትካል ኣጣይሹ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ምስራሕ ይርከብ።
Your browser doesn’t support HTML5
ኣብ ዓዲ ብዛዕባ ዘጥረዩዎ ተመኩሮ፣መናእሰይ ከመይ ዕድል ስራሕ ክፈጥሩ ከምዘለዎም፣ኣብዚ ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ መፂኦም ካብ ተሳተፍቲ ናይቲ ፕሮግራም ዝኾኑ ኣፍሪካዊያን ካብ ኣሜሪካዊያንን ዝረኸቡዎም ተመኩሮታት ንቕድሚ ከመይ ከምዝጥቀምሉን ንካልኦት ከምዘመሓላልፉን ካልኦትን ሓሳቦም ኣካፊሎምና ኣለው።
Your browser doesn’t support HTML5
ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
Your browser doesn’t support HTML5