ዋሽንግተን —
ፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂንግፒንግ፡ ገዛኢ ኮሚንስቲ ፓርቲ ቻይና ዓቢይ ጽገናዊ ለውጢ ክገብር ከም ዝመደበ ሎሚ ዓርቢ ኣፍሊጡ።
እዚ ዝብል ዘሎ ቅድሚ`ቲ ዝቀራረብ ዘሎ ፖለቲካዊ ጉባኤ ኮይኑ ኣብቲ ዝካየድ ኣኼባ፡ ሕውየት ቁጠባ ዓቢይ ኣጀንዳ ከም ዝሕዝ ይግመት። ሓገግቲ ኣካላት ቻይና ድሕሪ`ቲ ኣብ 2022 ዝብቅዐ ጽኑዕ ገደብ ሕማም ኮቪድ-19፡ ነቲ ቁጠባ ዳግም ከበራብርዎ ይቃለሱ ኣለው።
እታ ኣብ ዓለም ካልአይቲ ዝዓበየት ቁጠባ ከምዘለዋ ዝሕበር ቻይና ብመዳይ ኣባይትን ሸቕሊ ኣልቦነት መንእሰያትን ገና ከም ዘይሓወየት `ዩ ጸብጻብ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ይጠቅስ።
ፕረዚደንት ሺ ኣብቲ ዘረብኡ ኣብ ዕዳጋ ዘተኮረን ሕጋውን ዓለምለኻውን ሃዋህው ዘለዎን ጽገናዊ ለውጢ ክንገብር ኢና ኢሉ`ሎ።
ፕረዚደንት ሺ"ማዕጾ ቻይና እናሰፍሐ ክኽፈት `ዩ፡ ፍጹም`ውን ኣይክዕጾን`ዩ" ኢሉ።