ዓለም ምስ ኮቪድ-19 ኣብዝገጠመትሉ ሚሊዮናት ዓርቢ ስቕለት ኣኽቢሮም ውዒሎም

ዓለም ኣንፃር ኮቪድ-19 ትቃለስ ኣብዘላትሉኣብ ዙሪያ ዓለም ሚሊዮናት ኣመንቲ ክርስርና ዓርቢ ስቕለት ኣኽቢሮም ውዒልዖም።ኪቪድ-19 ኣብ ልዕሊ ኣባላቱ ዘውረዶ ማህሰይቲ ንምሕጋዝ ሕብረት ኣውሮፓ ፍርቂ ትሪሊዮን ዩሮ ንምሕጋዝ ተሰማሚዑ።

ኣብ ዙሪያ ዓለም ሚሊዮናት ስዓብቲ ክርስትና እየሱስ ክርስቶስ ተሰቒልሉ ኢሎም ዝኣምንሉ ዓርቢ ስቕለት የኽብሩ ኣለው።

ዓለም ምስ ኮቪድ-19 ኣብ ዝገጠመትሉ እዋን መብዛሕቲኦም ኣመንቲ ናይዚ ዓመት ኣብ ኣብያተ ክርስቲያን ተኣኪቦም ከይኮንስ ኣብ ገዛውቶም ተወሲኖም ብሚዲያ ብምርኣይ እዮም ኣኽቢሮምዎ።

ብመሰረት ጆን ሃፕኪንስ ዩንቨርስቲ ኣብ ዙሪያ ዓለም ልዕሊ 1.6 ሚሊዮን ሰባት በቲ ቫይረስ ተታሒዞም ኣለው።ኣስታት 98,000ድማ ህይወቶም ስኢኖም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ዩናይትድ ስትትትስ ቀንዲ ተጠቃዒት ኮሮናቫይረስ ኮይና ትርከብ።ዝተትሓዙ ልዕሊ 475,000 ዝሞቱ ልዕሊ 17,000 በፂሖም ኣለው።ስፔይን ዝተትሓዙ ልዕሊ 157,000 ዝሞቱ ኣስታት 16,000 ጣሊያን ዝተትሓዙ ልዕሊ 143,000 ዝሞቱ ድማ ልዕሊ 18,000 መዝጊበን ኣለዋ።

ናይ ሕቡራት መንግስታት ዋና ፅሓፊ ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝተኻየደ ዕፁው ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ነቲ ለበዳ ናይ ምክልኻል ዓቕምና ብዝጎድእ ደረጃ ናብ ማሕበራዊ ዘይምርግጋእን ህውከትን ክወስደና ይኽእል እዩ፤እዚ ክኣ ኣብ ዓለምለኸ ሰላምን ፀጥታን ዓብይ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ ክብሉ ኣጠንቂቖም።

ቀንዲ ትኹረት ምምሕዳር ትራምፕ ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ዝተዓፀወ ቁጠባ ዩናይትድ ስቴት ዳግም ኣብ ምኽፋት ኮይኑ ኣሎ።ልዕሊ 16 ሚሊዮን ኣሜሪካዊያን ካብ ስራሕ ዝቦኸሩ ዝሓቱዎ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ንምርካብ ኣመልኪቶም ኣለው።

ብኻሊእ ዜና ምንስትራት ፋይናንስ 19 ኣባል ሃገራት ዝሓዘ ሕብረት ኣውሮፓ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዝወረደ ቁጠባዊ ማህሰይቲ ንኩባኒያታት፣ሰራሕተኛታትን ንስርዓት ጥዕናንን ዝኸውን ናይ ፍርቂ ትሪሊዮን ዩሮ ፓኬጅ ንምሕጋዝ ትማሊ ሓሙስ ተሰማሚዖም።

ፕሬዝዳንት ምንስትራት ፋይናንስ ዩሮዞን ማሪዮ ሴንተኖ ነቲ ፓኬጅ ቅድሚ ሎሚ ተራእዩ ዘይፍለጥ ክብሉ ፀዊዖምዎ።

‘’መጠን ሎሚ ዝፀደቐ ፓኬጅ ማዕረ ኣርባዕተ ሚታዊ ሓፈሻዊ ምሀርቲ ኣውሮፓ እዩ።ብተወሳኺ ድማ ኣብ ግዜ ቅልውላው ንናይ ኣውሮፓ ቁጠባ ዝከላኸል ሓያል መረጋግኢ እዩ።ተራእዩ ዘይፈልጥ እዩ፤ፈፂማና ከምዚ ናይ ሎሚ ብከምዚ ዝበለ ቅፅበት ስጉምቲ ወሲድና ኣይንፈልጥን’’ ኢሎም።

ብኮሮና ቫይረስ ኣዚየን ንዝተጠቕዓ ጣሊያንን ስፔይንን ክሳብ 240 ቢሊዮን ዩሮ ክረኽባ እየ።እቲ ገንዘብ ግን እተን ሃገራት ንስርዓት ክንክን ጥዕንአን ክሳብ ዝተጠቐማሉ እዩ ክወሃበን።

እቲ ልቓሕ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምስ ኣብቅዐ ሽዑ ንሽዑ ጠጠው ዝብል እዩ።

እቲ ጉጅለ ብተወሳኺ 200 ቢሊዮን ዩሮ ብባንኪ ኢንቨስተምንት ኣውሮፓ ኣቢሊ ንኩባኒያታት ዝውሃብ ሓገዝ 100 ቢሊዮን ዩሮ ድማ ኣብ ገዛውቶም ተዓፂዮም ዝውዕሉን ናይ ስራሕ ስዓቶም ዝተነከዮምን ሰራሕተኛታት ደመወዞም ንምኽሓስ ዝውዕል እዩ።