70 ሃገራት፡ ኣስታት ሓደ ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ንሊባኖስ ይመባጽዓ

ብሚኒስትሪ ጉዳያት ጉዳያት ፈረንሳ ተመሪሑ፡ ኣብ ፓሪስ ዝቃንዕ ዘሎ ምትእኽኻብ ንሰብኣዊ ሓገዝ ሊባኖስ ኣስታት ሓደ ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ከም ዘዋህለለ ሮይተርስ ሓቢሩ። ኣብዚ ርክብ ወከልቲ 70 ሃገራትን 17 ኣህጉራዊ ትካላትን ይሳተፉዎ ኣለዉ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ፡ ድሕሪ’ቲ ተስፋ ዘለዎ ግብረ-መልሲ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ “እቲ መልእኽቲ ንጹር’ዩ። እስራኤል ንዂናት ደው ከተብሎ ዝሕብር’ዩ፡” ኢሉ።

ብሰንኪ ኣብ ኣመሪካ ዝቀራረብ ዘሎ ምርጫ፡ ኣመሪካ ኣብቲ ዋዕላ ልዑል ተሳታፍነት እኳ እንተ ዘይብላ፡ እንተዀነ 300 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ተመባጺዓ ኣላ።

እቲ ዝተኣኻኸብ ዘሎ ሓገዝ ንሰብኣዊ መዓላ ከም እኽሊ፡ ኣገልግሎት ሕክምናን ትምህርቲን ዝውዕል ኰይኑ፡ ኣስታት 200 ሚልዮን ዶላር ድማ ንሰራዊት ምክልኻል ሊባኖስ ንምስልጣን ዝውዕል’ዩ።

እስራኤል ብኣመሪካን ፈረንሳን ዝቐረበ ናይ 21 መዓልታት ምቍራጽ ተጻብኦታት ኣይተቐበለቶን።

መኽፈቲ ቃል ዘስምዐ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑወል ማክሮን፡ ኣብ ሰንሰለት ጎንጺ ክንበር ስለ ዘይከኣል እቲ ግጭት መዕረፊ ክግበረሉ ኣለዎ ኢሉ።

ኣብ ጉዳይ ማእከላይ ምብራቕ ኣመሪካን ፈረንሳን ብመጠኑ ዝፈላለ መርገጺ ከም ዘለወን ሮይተርስ ይሕብር። ፈረንሳ፡ ሕዝቦላህ ፈጺሙ ክድምሰስ ከም ዘይክእል ብምእማን፡ እስራኤል ተጻብኦታት ከተዕርፍ ሓቲታ`ላ። ኣመሪካ ግን ሕዝቦላህ ምሉእ ብምሉእ ከምተደምሰሰ ኣብቲ ዞባ ሰላም ክህሉ ኣይኽእልን ዝብል መርገጺ ኣለዋ ።