ዓለምለኸ ጉባኤ ሓይሊ ማይ ኣፍሪቃ ፈላማይ ጉባኤኡ ኣብ አዲስ አበባ የካይድ’ሎ።
ኣብዚ ኣኼባ ንዝተሓላለኸ ጸገማት ማይ፡ ጸዓት ድኽነትን ለውጢ ክሊማን ዝአመሰሉ መፍትሒ ብሓይሊ ማይ ዝሰርሕ ጸዓት ወይ ሃይድሮፓወር ክከውን ይኽእል’ዩ ተባሂሉ።
አዲስ አበባ —
ዓለምለኸ ኮንግረስ ሓይሊ ማይ(ዎርልድ ሃይድሮ ፖወር ኮንግረስ) ተባሂሉ ዝፍለጥ’ዚ አኼባ ናይ 2017 ዓ.ም ጉባኤኡ ንፈለማ ጊዜ ኣብ ምድረ አፍሪቃ ከተማ አዲስ አበባ መአኸቢ አዳራሽ ሕቡራት ሃገራት ካብ ግንቦት 9-11,2017 ዓ.ም የኻይድ’ሎ።
እዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ዓመት ዝኻየድ ጉባኤ ኣብ ዝተኸፍተሉ ስነ ስርዓት መደረ ካብ ዝስምዑ ኮሚሽን ኢኮኖሚ ኣፍሪቃ ተተካኢ ዋና ጸሓፊ ዶ/ር ዓብደላ ሃምዱክ ዘተአማምንን ዘመናዊ አገልግሎት ጸዓት ንኹሉ ንምብጻሕ ዝኸአል ብዝሓሸ ኩነታት ብዝተአሳሰር ዓለም ጥራይ’ዩ ኢሎም።
ድሒሩ ኣብ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ፕረዝደንት ዓለምለኸ ማህበር ሃይሊ ማይ ኮን አዳምስ እዚ ጉባኤ በብዝተአኸበሉ አጋጣሚ ዓለም ንዘጋጠመ ዝተፈላለዩ ፈተነታት መፍትሒ ንምንዳይ ይፍትን ኣሎ ኢሎም።
Your browser doesn’t support HTML5