ኣይቮሪኮስትን ጣልያንን ካብ ፅዋዕ ዓለም ተሰጉገን

Ivorycoast v Greece

ናይ ሎሚ ሰሉስ ግጥማት ፅዋዕ ዓለም ብራዚል 2014 ወሰንቲ ግጥማት ኣብ ሞንጎ ጣልያንን ኡሩጓይን፣ጃፓንን ኮሎምንያን፣ግሪክን ኣይቮሪኮስትን ዘተኣናግድ ክኾን‘ዩ።

ኣቀዲመን ዝተጋጠማ ጋንታታት ጣልያንን ኡሩጓይን፣ኣብ‘ቲ ካልኣይ ግጥም ድማ ምውዳቃ ዘረጋገፀት እንግሊዝን ምሕላፋ ርጉፅ ዝኾነ ኮስታሪካን‘የን። ዜሮ ንዜሮ‘የን ዕረፍቲ ወፂኤን።ንጣልያን ማዕረ ምፍልላይ ወይ ምዕዋት፣ ንኡሩጓይ ግና ግድን ክትስዕር‘ለዋ ዝብል ቅድመ ኩነታት ሒዘን‘የን ናብ ሜዳ ኣትየን።

ኣብ መጀመርታ ፍርቂ ፀወታ፣ተሰለፍቲ ጣልያን ዜሮ ንዜሮ ከምዘዋፅኦም ፈሊጦም ብሓደ ኣብ ቅድሚት ዝሰርዕዎ ማርዮ ባላቶሊ ጥራሕ ንከጥዑን ዝያዳ ክከላኸሉን‘ዮም መሪፆም።እዚ ቅዲ ፀወታ‘ዚ ተዓዊቶምሉ‘ውን ክሳብ ካምቢያ።

ኡሩጓይ ብወገና ብሱኣረዝ ዝምራሕ ሓይሊ ናይ ቅድሚት መስመር ኣብ ምጥቃዕ ዘተኮረ ቅዲ ፀወታ‘ያ ኣካይዳ።ግን ሸቶ ንምምዝጋብ ኣይካኣለትን። ተኸላኸልቲ ጣልያን ዝያዳ ተጠናኺሮም‘ዮም ውዒሎም።

ድሕሪ ዕረፍቲ እቲ ፀወታ ብዘይገለ ለውጢ ዜሮ ንዜሮ‘ዩ ቀፂሉ።ንማርዮ ቀይሩ ዝኣተወ ማርትስዮ ኣብ ልዕሊ ተሰላፋይ ኡሩጓይ ሓደገኛ ጥቅዓት ፈፂምካ ተባሂሉ ብዘይ መጠንቀቂ ብቀጥታ ብቀይሕ ካርዲ ካብ ሜዳ ተሰጉጉ።ጣልያን ንፍርቂ ሰዓት ብዓሰርተ ተሰለፍቲ ክትፃወት ተገዲዳ። ውጥረትን ምጉናፅን ዝበዝሖ ግጥም ክልቲኤን ጋንታታት ቀፂሉ።ኣብ መበል ሰማንያን ሓደን ደቃይቅ ኡሩጓይ ካብ ኩርናዕ ንዝተቀልዐት ኩዕሶ ቁፅሪ ሰለስተ ብሕቆኡ ተደሪቡ ናብ ሸቶ ቀይሩዋ።ኡሩጓይ ንኣዝያ ተድልያ ወርቃዊት ሸቶ ኣመዝጊባ።ቴስዓ ደቃይቅ ተዛዚሙ።ዝባኸነ ደቃይቅ ንምክሕዓስ ሓሙሽተ ደቃይቅ ተወሲኹ።ለውጢ ከይተራየሉ ተፈፂሙ። ጋንታ ጣልያን ንቀዳማይ ዙር ምሕላፍ ከይከኣለት ተሪፋ።

ካብ‘ቲ ካልኣይ ግጥም ኮስታሪካ ምስ እንግሊዝ ዜሮ ንዜሮ ተፈላልየን። ብመሰረት‘ዚ ካብ‘ዚ ምድብ‘ዚ ኮስታሪካ ብሸውዓተ ነጥቢ ቀዲማ፣ኡሩጓይ ብኣርባዕተ ነጥቢ ካልኣይ ኮይና ሓሊፈን።ጣልያንን እንግሊዝን ካብ‘ዚ ናይ ሎም-ዘበን ፅዋዕ ዓለም ወፃኢ ኮይነን‘ለዋ።

ኣብ ዘረባና፣ገና ዘይተረጋገፀ ግን ቀልጢፉ ዘይሃስስ ፀገም ኣንፃር ተሰላፋይ ኡሩጓይ ሉኢስ ስዋረስ ይበጋገስ‘ሎ።ንተኸላኻላይ ጣልያን ነኪስዎ ዝብል። እዚ ኣመለኛ ሱኣረዝ ቅድሚ ሎሚ ክልተ ጊዜ ንተፃረርቱ ነኪሱ ተባሂሉ ፅኑዕ መቅፃዕቲ ከምዝተበየኖ ዝዝከር‘ዩ።

ጃፓንን ኮሎምብያን ማዕረ ሓደ ንሓደ ተፈላልየን።ኮሎምብያ ቀዳመይቲ ኮይና ሓሊፋ።ክፉት ማዕፆ ንምሕላፍ ኣጋጢምዋ ዝነበረ ጋንታ ኣይቮሪኮስት ብዘሕፍር ኣፀዋውታ ብግሪክ ክልተ ንሓደ ተሳዒራ ካብ ውድድር ወፃኢ ኮይና።ተፃወቲ ኣይቮሪኮስት ከም‘ዚ ዝዓይነቱ ዝወረደ ታሪኽ ከምዝግቡ መጀመርተኦም ኣይኮነን።