ተመክሮ መምህር ኣብ ኮሌጅ ማይ-ነፍሒ ኤርትራ

Your browser doesn’t support HTML5

ተመክሮ መምህር ኣብ ኮሌጅ ማይ-ነፍሒ ኤርትራ

ኣብ ኢንስትዩት ቴክኖሎጂ ኤርትራ (ኮሌጅ ማይ-ነፍሒ) መምህር ዓውዲ ባዮሎጂ ሰብለ ሃይለ፡ ኣብ ኮለጃት ዘሎ ተሳትፎ ደቀንስትዮ ዘተባብዕ ከም ዝኾነን ምኽንያቱ ድማ ንቕሓት ተመሃሮን ድጋፍ ወለድን ምዃኑ ትገልጽ። ንሳ ብወገና ንተመሃሮኣ ኣብቲ ዘይድፈር ዝመስል ዓውዲታት ሳይንስን ቴክኖሎጅን ክሕይላ ከም ዝተባብዕ`ውን ጠቒሳ`ላ።

ብምኽንያት ስድራ-ቤታዊ ሓላፍነት ንዝለዓለ ዲግሪ ንምቕጻል ገለ ብድሆታት ከም ዘጋጠማ ትጠቅስ ወ/ሮ ሰብለ፡ ነዘን ሎሚ ዝምረቓ ዘለዋ ተመሃሮ ግን ዝሓሸ ዕድላት ከም ዘለወን ገሊጻ`ላ።