ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ሃገራዊ ምርጫ ክካየዶ ይኽእል? ካልኣይ ክፋል

  • ገብረ ገብረመድህን

‘’እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፓርላማ ናይ ባዕሉ ስልጣን ከናውሕ ዝኽእለሉ ዓንቀፅ የለን’’ ብዓል ሙያ ሕጊ ኣቶ የማነ ካሳ።

‘’ሕገ መንግስቲ ሰብ እዩ ፅሒፉዎ፤ዘይቕየር ቀይሕ መስመር ገይርና ኣይንውሰዶ’’ ኣክቲቪስት ነጋሲ በየነ።

‘’እንተተኻኢሉ እቲ ፌደራል መንግስቲ ምርጫ ኣብ ግዚኡ ከካይድ ኣለዎ፤እንተዘይኮይኑ ግን ክልላዊ መንግስታት ምርጫ ብምክያድ ቤት ምኽረን ክቕይራ ኣለወን’’ኣብ ማሕበራዊ ምርጫ ዝነጥፍ ሃፍቶም በርሀ።

ቀፃሊ ናይ ኢትዮጵያ ሃገራዊ ምርጫን ምምሕያሽ ሕገ መንግስትን ብዝምልከት ምስ ኣቶ የማነ ካሳ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ መምህር ሕገ መንግስቲ፣ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝነጥፍ ሃፍቶም በርሀን ክልቲኦም ካብ መቐለ ከምኡ እውን ኣብዚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኣን ዝንቀሳቐስ ኣክቲቪስት ነጋሲ በየናን ዝተኻየደ ክትዕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ሃገራዊ ምርጫ ይካየድዶ ይኸውን?