‘ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ቅድመ ኩነት ዝባሃል ነገር ኣወጊዶም ክዘራረቡ ኣለዎም። ምንም ርክብ ዘይነበረን ኣሜሪካን ኢራንን ይዘራረባ’ለዋ። ብታሪኽን ባህልን ዝተራኸብና ህዝቢሲ ንምንታይ ኢና ዘይንዘራረብ? ንሱ’ኮ እዩ ዝገርመኒ ዘሎ’ ባሃላይ’ዮም ዶ/ር ገላዴዎስ ኣርኣያ።
‘ኣብ ኤርትራ ኣትዮም ብዕጥቃዊ ቃልሲ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ንምንብርኻኽ ዓሊሞም ከምዝወፈሩ ብዛዕባ ዝገለጹ ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ ክዛረቡ ከለው ‘ብናተይ ግምት ክዕወት ኣይኽእልን። ኣብኡ’ውን ይፈልጥዎ’ዮም ኢሎም።
ዶ/ር በርሀ ሃብተጊዮርጊስ ብወገኖም ‘ሓደ ምንቅስቃስ ካብ ድልየት፣ምረትን ስምዒትን ህዝቢ ዝብገስ ኮይኑ ከም’ተን ቅድሚ ሎሚ ዝተዓወታ ኣብ ህዝቢ ተመስሪቱ ክዕወት’ዩ። እንድሕር ናይ ፖለቲካ ፅምኣት፣ ናይ ውልቀ-ሰባት ድልየት ኮይኑ ግና ውጽኢት ክህልዎ ኣይክእልን’ዩ’ ኢሎም።
‘ትምኒተይ’ ኢሎም ዶ/ር በርሀ ‘ኣብ ከባቢና ሰላም ክሰፍን፣ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብሰላም ክነብራ ኣለወን፣ ክልቲኦም መንግስታት ኣብ ሰላም በጺሖም፣ ዘሎ ምትፍናን ተወጊዱ እቲ ንፈልጦ ዝምድናታት ንክምለስ’ዩ’ ኢሎም።
Your browser doesn’t support HTML5
Your browser doesn’t support HTML5