ኣብ ዓለም ልዕሊ ሓደ ሚልዮን መንእሰያት ትሕቲ ዕድመ ክትኸላከሎ ብዝኸአል ምክንያታት ይሞቱ’ለው እዚ ድማ ደው ክብል ይግባእ ክብል ውድብ ጥዕና ዓለም አፍሊጡ።
ዋሽንግተን —
ጥዕና አዴታትን ቆልዑን ንምሕላው አብ ዝተገብሩ ጻዕርታት ተዓዊቶም’ዮም ፕሮግራማት ምሃብ ክታበት አብ እዋን ወሊድ ዘጋጥም ሞት ንምንካይ ዝዓለመ ክንክናት ሞት መንእሰያት አዴታትን ክንኪ ተጌሩ’ዩ እንተኮነ ግን ኣብ ኩነታት መንእሰያት’ከ?
ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም ክፍሊ ጥዕና አዴታትን ህጻናትን መንእሰያትን ዶ/ር አንታኒ ካስቴሎ ከምዚ ይብል።
“ዕድሚኦም ካብ 10-14 ዓመት ዝኾኑ አብ ምዕባይ ዝርከቡ መንእሰያት ምስ እንርእይ 1.2 ሚልዮን በብዓመቱ ይሞቱ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ 3 ሽሕ ማለት’ዩ።”
Your browser doesn’t support HTML5
ኣብ ዓመት ሓደ ሚልዮን መንእሰያት ከምዝሞቱ ውድብ ጥዕና ዓለም ሓቢሩ