መራሕቲ ሃገራት ንሰላም ዓለም ክሓብሩ ጻውዒት ዘቅረቡ ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ዕድመ ቁልዕነቶም ንዘጓነፎም ዘቅንዙ ተመክሮ እዋን ኲናት ኣዘንቲዮም’።
ናብ ወሽመጥ ቓዛ መግቢ፣ መድሓኒትን ካልኦት ረድኤትን ንክኣቱ ዝጸወዐ ውድብ ጥዕና ዓለም፣ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦ ብህጹጽ ንክግበር ጸዊዑ።
ዶ/ር ቴድሮስ ብጽሑፍ ኣብ ዝፈነውዎ መልእኽቲ "ንምቁራጽ ተጻብኦን ሰላም ንክሰፍን ብትሕትና ይሓትት ኣለኹ" ይብል።
ንሶም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ ኣቐዲሙ ትዊተር ዝጽዋዕ ዝነበረ ኣብ ዝዘርግሕዎ መልእኽቲ "ቆልዓ ኮይነ ኣብ ትሕቲ ውግእ ኣብ ዝነበርኩሉ ጊዜ፣ ጨና፣ ድምጺን መልክዕን ውግእ ይፈልጥ ነበርኩ። ብዛዕባ እቶም ሎሚ ኣብ ውግእ ተቀርቂሮም ዘለው ሰባት ድማ ዓሙቕ ሓዘን ይስማዓኒ፣ ቃንዘኦም ናተይ ቃንዛ ኮይኑ ኣሎ" ኢሎም።
ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም "ኣብ’ዚ ወሳኒ ወቅቲ’ዚ፣ ንምግምማዓት ኣወጊድና፣ ጎደና ሰላም ንስዓብ። ትብዓት ዝህሉ ሰላም ምስ እንመርጽ እዩ። ናብ መራሕቲ ዓለም ከሕልፎ ዝደሊ መልእኽቲ ድማ፣ ንዓለምና ኣብ ጎደና ሰላም ንከእትውዋ እዩ" ይብሉ።
ዶ/ር ቴድሮስ ሓማስ ንዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ኮኒኖም ነቲ ኣብ ቓዛ ይፍጸም ዘሎ ደብዳብ እስራኤል ድማ ዋግኡ ይኸፍልዎ ዘለው ህጻናት ኮይኖም ኣለው ኢሎም።