ዋሽንግተን —
ማርኮ ሩብዮ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኮይኑ ቃለ-ማሕላ ድሕሪ ምፍጻሙ ኣብ ልዕሊ ቻይና ተሪር መርገጺ ብምሓዝ ኣብቲ ምስ ወጻኢ ሃገራት ዝህልው ርክብ ረብሓታት ኣመሪካ ንምስጓም ቃል ይእቶ-እምበር ንኣፍሪቃ ብዝምልከት ግን ዝገለጾ ንጹር ፖሊሲ የለን።
ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ራማፎዛ ግን ኣብ ትሕቲ ሓድሽ ምምሕዳር ትራምፕ ሃገሮም ምስ ኣመሪካ ዝህልዋ ርክብ ብዝምልከት ሙሉእ እምነት ከምዘለዎም'ዮም ገሊጾም ኣለው።