ኵናት ቓዛ ንሆስፒታላት ኻን-ዩኒስ ምልካሙ ውድብ ጥዕናን ፕሮግራም መግቢ ዓለምን ይሕብሩ

ሆስፒታል ኣብ ኻን ዩኒስ - ፋይል

ትማሊ ሰሉስ ኣብ ቓዛ ከቢድ ኩናት ምንባሩን ንሆስፒታላት ደቡባዊት ከተማ ኻን-ዮኑስ ከይተረፈ ከም ዝለከመን ትካላት ግብረሰናይ ሓቢረን።

ኣብ ጀነቫ ኮይኑ መግለጺ ዝሃበ ወሃቢ ቃል ውድብ ጥዕና ዓለም ክርስትያን ሊንድሚየር፡ እተን ሆስፒታላት ብወተሃደራት ከም ዝተኸበባን ዝኣቱን ዝወጽእን ከም ዘየሎን ድሕሪ ምግላጽ፡ እቲ ኩነታት ኣዝዩ ሕሱም ከም ዘሎን ሰባት ድሕሪ ደቓይቕ እኳ እንታይ ከም ዝኸውን ከምዘይፈልጡን ገሊጹ`ሎ።

ትማሊ ሰሉስ ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ኣብ ሆስፒታላት ኻን-ዮኑስ ብሰንኪ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ኣብቲ ከባቢ ዝቖሰሉ ሰባት`ኳ ሕክምና ክረኽቡ ከም ዘይከኣሉ ተዛሪቡ ኔሩ።

ብመሰረት ኣሶሴይትድ ፕረስ እቲ ኵናት ፍጹም ተቐባልነት ዘይብሉ`ዩ ዝበለ ወሃቢ-ቃል እቲ ትካል ብወገኑ ኣስታት 20 ሆስፒታላት ቓዛ ካብ ጠቕሚ ወጻኢ ምዃነን ሓቢሩ`ሎ።

ነቲ መጠንቀቕታ ዝደገመ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ብወገኑ ልዕሊ ፍርቂ ሚልየን ህዝቢ ቓዛ ኣብ ሓደጋ ጥምየት ከም ዝወደቐ ኣፍሊጡ`ሎ።

እቲ ኵናት ንቐረብ ህይወት ኣድሕን መግብታት ዓጊትዎ`ሎ ዝበለት ወሃቢት ቃል ፕሮግራም መግቢ ዓለም ንማእከላይ ምብራቕ ኣቢር ኢተፋ ብወገና፡ ነቶም ካብ ኵናት ሃዲሞም ኣብ ደቡባዊ ቓዛ ዘለዉ ፍልስጤማውያን ኣመልኪታ ክትዛረብ ከላ ኣብ ዓለም ዝኸበደ ንጥምየት ዝተቓልዐ ህዝቢ ዝርከቦ ካምፕ ኮይኑ`ሎ ኢላ።

ካብ ኵናት ቓዛ ሃዲሞም ንሕክምና ናብ ዶብ ግብጺ ዝተወስዱ ህጻናት`ውን ጉድለት ምግብና ከም ዝርኣዮምን ሚዛኖም ጎዲሉ ኣዝዮም ዓቢሮም ከም ዝርኣዩን ፕሮግራም መግቢ ዓለም ወሲኹ ጠቒሱ`ሎ።

ንሰብኣዊ ድሕነት ተባሂሉ ደውታ ኵናት ወይ ድማ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ እንተዘይተገይሩ፡ እዞም ኣብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኩነታት ዝርከቡ ሰባት ብጥምየት ክሳቐዩ ክንርእዮም ኢና ክትብል ወሃቢት ቃል ፕሮግራም መግቢ ዓለም ንማእከላይ ምብራቕ ኣቢር ኢተፋ ምዝራባ ኣሶሼይትድ ፕረስ ካብቲ ቦታ ሓቢሩ።