ፕሮግራም መግቢ ዓለም ሓድሽ ኣሰራርሓ ንምዕዳል ሓገዝ ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝጅምር ኣፍሊጡ

  • ዜና ቪኦኤ

ፋይል

ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ኣቛሪጽዎ ንዝነበረ ስራሕ ምብጻሕ ረድኤት ዳግም ንምጅማር ዘኽእሎ መደብ ከምዝሓንጸጸ ኣፍሊጡ። ብመሰረት’ቲ ሓድሽ ኣገባብ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ን3.2ሚልዮን ህዝቢ ረድኤት ክዕድል እዩ።

እዚ ዳሕረዋይ መደብ ከም ውጽኢት ገምጋማት ኮይኑ ብመሰረት ግሉጽነት፣ መርትርዖን ናጻ ኣሰራርሓን ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ዝፍጸም ከምዝኸውን ሓቢሩ'ሎ።

እቲ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ዝትግብሮ መደብ፣ ንጹር ዝማልኡ ቅድመ ኩነታት ዝሓዘ፣ ዝርዝር ተጠቀምቲ ብዲጂታል ኣሰራርሓ ዝፍለጡ፣ መንነት ተሓገዝቲ ብነበርቲ’ቲ ከባቢ ዝልለዩ፣ ሸቀጣት ካብን ናብን ዝኸድሉ ኣገባብ ክጽናዕን ዝኣምሰሉን ኣሰራርሓ ዝኽተል እዩ።

ኣብ ክልል ትግራይ ድሕሪ ይትግበር ዝጸንሐ ዝተወሰነ ፈተነ ምዕዳል ረድኤት ምዕዋቱ ስዒቡ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ናብ ብደርቂ ዝተጎድኡ ከባቢታት ዓፋር፣ ኣምሓራ፣ ሶማሊን ትግራይን ብሰፊሑ ረድኤት ንምቕራብ ተዳልዩ ከምዘሎ’ውን እቲ ዜና ይጠቅስ።

እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ፣ ኣህጉራዊ ልምዓት ኣመሪካ(ዩ.ኤስ.ኣይ.ዲ) ምክፍፋል ረድኤት ዳግም ምጅማሩ ንዒዶም ኢትዮጵያ ነቲ ውሳነ ብሓጎስ ከምዝተቐበለቶ ምክትል ቀ/ሚን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ኢትዮጵያ ኣቶደመቀ መኮንን ኣፍሊጦም።