ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኩነታት ጸጥታ ክልል ኣምሓራ ንሰብኣዊ ስርሓት ኣጸጋሚ ከምዝገበሮ ገሊጹ

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሸሞንተ ሰራሕተኛታት ረድኤት ከምዝተቐተሉን፣ 20 ድማ ከምዝተጨወዩን ፕሮግራም መግቢ ዓለም ገሊጹ። ናይቲ ትካል ወኪል ኢትዮጵያ ዝኾኑ ዛታን ሚሊሲክ ሎሚ ሰኑይ 23 መስከረም 2024 ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃቡዎ መግለፂ፣ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብፍላይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘሎ ፀገም ፀጥታ፣ ንቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት ዓብዪ ዕንቅፋት ኮይኑ ኣሎ ኢሎም። ኩሎም ኣካላት ንድሕንነት ሲቪላትን ሰራሕተኛታት ረድኤትን ከረጋግፁ እውን ፀዊዖም።