ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝቀጸለ ጎንጺ ሲቪላዊያን ሰባት ዒላማ ይኾኑ ኣለው ክብሉ ነበርቲ ሓቢሮም

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ኣብ ዝርከባ ወረዳታት ቤጊን ባቦ ገምበልን ኣብ መንጎ ሓይልታት ፀጥታ መንግስትን ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን ብዝቀፀለ ጎንፂ ሲቪላዊያን ሰባት ዒላማ ይኾኑ’ለዉ ክብሉ ነበርቲ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጾም።

ናይ መንግስቲ ኮነ ተዋጋእቲ ዕጡቃት መሳርሒ ሒዞም ስለዝንቀሳቀሱ ኣብ ሲቪላዊያን ሰባት ጉድኣት የጋጥም’ሎ ዝበሉ’ዞም ነበርቲ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓርቢ ብዝነበረ ጎንፂ ክልተ ሲቪላዊያን ሰባት ብሓይልታት ፀጥታ ተቀቲሎም ክብሉ ከሲሶም።

ሓሙሽተ ሰባት ከኣ ደቅኹም ወይ ሰብሓዳርኩም ኣባላት ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ ብዝብል ብሓይልታት ፀጥታ ተኣሲሮም ክብሉ ኣቶም ነበርቲ ይጠርዑ።

ብዛዕባ’ዚ ካብ ምምሕዳራት ቤገን ባቦ ገምባልን ምላሽ ንምርካብ ዝተኻየደ ፈተነ ኣይሰለጠን እንተኾነ ኣመሓዳሪ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ንድምጺ ኣመሪካ ብፅሑፍ ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ ኩነታት ፀጥታ እቲ ዞባ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ተመሓይሹ’ዩ ከምዝበሉ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢራ።