ኣብ ከተማ መተማ ሓንቲ ሱዳናዊት ስደተኛ ትርከቦም ሰለስተ ሰባት ብዕጡቓት ተቐቲሎም

ከተማ መተማ -ፋይል

ኣብ ኢትዮጵያ ዞባ ምዕራብ ጎንደር ምምሕዳር ከተማ መተማ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰንበት ሓንቲ ሱዳናዊት ስደተኛ ትርከቦም ሰለስተ ሰባት ብዕጡቓት ምቕታሎም ኣመሓዳሪ'ቲ ወረዳ ኣፍሊጡ።

ኣመሓዳሪ’ቲ ወረዳ ኣቶ ደሳለኝ ሞገስ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃል እቲ ቕትለት ዝተፈጸመ ካብ ምዕራብ ጎንደር ናብ ነጋዴ ባሕር ዝተባህለ ቦታ ኣብ ዝጉዓዝ ዝነበረ ንእሽተይ ናይ ህዝቢ መጉዓዝያ ኣውቶቡስ ብዝተኸፍተ ተኵሲ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ንሶም ወሲኾም ኣብቲ ከባቢ ብተደጋጋሚ መጭወይቲ ሰባት ይረኣ ከምዝኾነን እቲ ናይ ዝሓለፈ ሰንበት ፍጻመ’ውን ተመሳሳሊ ከምዝነበረ እንተኾነ ምስ ኣብታ መኪና ዝነበረ ዕጡቕ ብዘጋጠመ ምልውዋጥ ተኵሲ ድማ ሞት እቶም ሰባት ከምዘጋጠመ ሓቢሮም።

ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስቲን ኣገልግሎት ብወገኑ ነቲ ቅትለት ኣረጋጊጹ’ሎ።