ኣዲስ ኣበባ —
ኣስታት 800 ሱዳናውያን ስደተኛታት ተራእዩ ንዝበሉዎ ስእነት ፀጥታን ዋሕዲ ቀረባት ተቓዊሞም ኣብ ወሰን ፅርግያ ንሰለስተ ኣዋርሕ ድሕRኢ ምጽናሕ ካብ ከባቢ መዓስከር ኣውላላ፡ ብእግሮም ናብ ሱዳን ገፆም ይምርሹ ኣለዉ።
ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ብወገኑ፡ ኣብ ሱዳን ብሰንኪ ዘሎ ስእነት ፅጥታ ኣብ ምምላስ እቶም ባዕላቶም ዝነቐሉ ስደተኛታት ኢድ ከም ዘይብሉ ይሕብር። እቶም ስደተኛታት’ውን ብእኡ ኣቢሎም ናብ ካልኦት ጎረባባቲ ሃገራት ንምቕጻል ደኣ’ምበር ኣብኡ ክፅንሑ ድልየት ከምዘይብሎም ይሕብሩ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
ኣብ ርእሲ'ዚ ንምርኣይ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ሱዳናውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ይምርሹ