ብሰንኪ ዂናት ቓዛ ሸቕሊ ኣልቦነትን ድኽነትን ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ይሰፍሕ

  • ዜና ቪኦኤ

Your browser doesn’t support HTML5

ብሰንኪ ዂናት ቓዛ ሸቕሊ ኣልቦነትን ድኽነትን ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ይሰፍሕ

ገለ ኽፋላት ቓዛ ኣብ ኣፍደገፍ ዓፀቦ ዝርከቡ ክኾኑ ከለው ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዝርከቡ ፍልስጤማውዊያን ድማ ይሳቐዩ ኣለው። ናብ እስራኤል ኣትዮም ክሰርሑ ኣይክኣሉን። ብሙሉኡ ቁጠባ ምዕራባዊ ገማግም የንቋልቁል እዩ ዘሎ።

ሓማስ 7 ጥቅምቲ መጥቓዕቲ ግብራ-ሽበራዊ ቅድሚ ምፍፃሙ ልዕሊ 200,000 ፍልስጤማዊያን ካብ ምዕራባዊ ገማግምን ቓዛን ኣብ እስራኤል እናሰርሑ ንቁጠባ ፍልስጤማውዊያን ይድግፉ ነይሮም። ንልዕሊ ሓደ ዓመት እስራኤል ናብ ሃገራ ንከይኣትው ስለ ዝኸልከለቶም ኩሉ ስርሖም ብፍላይ ድማ ስራሕቲ ህንፀት ስኢኖም ኣለው።