ኣብ ኣስመራ ስልጠና ሞያ ማእለማ ይወሃብ ኣሎ

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ መሰልጠኒ ማእከል ሚንስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን(ደብዓት) ስልጠና ሞያ ማእለማ ይወሃብ ኣሎ። እቲ ስልጠና መቐጸልታ ናይቲ ኣቐዲሙ ብሃማደኤ ዝተዋህበ ናይ ኣሰልጠንቲ ስልጠና ኮይኑ ካብ 10 – 20 ዓመት ኣብ ሞያ ማእለማ ክሰርሓ ዝጸንሓ፡ኣንስቲ ስዉኣት፡ዝተጣየሳ ተጋደልትን ሃገራዊ ኣገልግሎትን፡ጽጉማትን ኣለይቲ ስድራ ከም ዝኾና ነቲ ስልጠና ዝህብ ዘሎ ዲዛይነርን ናይ ፋሽንን ጨርቅን መምህር ነጋሲ ተስፋጼን ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ።