ዋሽንግተን —
ኤቨን ናይ ሞያ መሰልጠኒ ማእከል ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ስደተኛታት ናይ ሞያዊ ትምህርቲ ዝህብ ትካል እዩ። እዚ ትካል ኣብ 2003 ዓ.ም ኣብ ኣስመራ ዝተመስረት ኮይኑ ቀጺሉ ኣብ 2013 ዓ.ም ዳግማይ ኣብ ከተማ ካርቱም ብምምስራት ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ስደተኛታት ዝተፈላለዩ ናይ ሞያ ስልጠና ዝህብ ዘሎ ትካል እዩ።
ኤቨን ናይ ሞያ መሰልጠኒ ማእከል ኣብዚ ሕጂ እዋን ብሸውዓተ ዓውድታት ስልጠና ዝህብ ዘሎ ኮይኑ ኣስታት 300 ዝኾኑ ኤርትራዊያን፡ ኢትዮጵያዊያንን ሱዳናዊያን ተማሃሮ ኣለውዎ።
ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ስልጠና ዝህቡ ዘለው ሸውዓተ መማህራን ኽኮኑ ኸለው እቲ መሰልጠኒ ማእከል ካብ ሃገረ ሱዳን ክፍሊ ትምህርቲ ፍቓድ ዝተዋህቦን ንዝህቦ ምስክር ወረቐት እዋን ኣብታ ሃገር ኣፍልጦ ዘለዎ ምዃኑ መማህራንን ተማሃሮን ይገልጹ።
ምስ መማሃራንን ተማሃሮን እቲ መሰልጠኒ ማእከል ዝተካየደ ቃለ መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
Your browser doesn’t support HTML5