ህጻናት እቶም ቀንዲ ግዳያት ዘይምርግጋእ - ሕ/ሃገራት
Your browser doesn’t support HTML5
ትማሊ መግለጺ ዘውጸአ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ግጭት ዝተራእየለን ሃገራት: ብሕልፊ አብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጤማዊያንን፣ ኣብ ኮንጎን ሶማልን፣ ብርክት ዝበሉ ቆልዑ፣ ዝሓለፈ ዓመት ንኣዝዩ ከቢድ ግህሰት ከምዝተቓልዑ ገሊጹ።
ኣብ ሀይቲ፡ ናይጀርያ፡ ኢትዮጵያ፡ ሞዛምቢክን ዩክሬንን’ውን ተመሳሳሊ ሻቕሎት ከምዘለዎ ትካል ህጻናት ሕ/ሃገራት ኣፍሊጡ።