ቾኮሌት: ህያብ መዓልቲ ፍቑራትን

  • ዜና ቪኦኤ
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብኣቆጻጽራ ኣውሮፓዊያን 14 ለካቲት ወይ 7 ለካቲት ብኣቆፃፅራ ኢትዮጵያ መዓልቲ ፍቑራት/ቫለንታይን ደይ/ ተኸቢሩ ይውዕል።ኣብዚ ዕለት ሰባት ምስ ፍቑራቶም ፖስት ካርድ፣ናይ ቾኮሌት ከረሜላ፣ዕምበባ ወይ ካልእ ህያብ ይለዋወጡ።

ኣሜሪካዊያን ኣብዚ ሎሚ መዓልቲ ዝኽበር መዓልቲ ፍቑራት ንፍቕረኛታቶም ዘበርክቱዎ ዝውቱርን ፍሉጥን ህያብ ናይ ቾኮሌት ከረሜላ እዩ ብመሰረት ናሽናል ሪቴል ፋውንዴሽን ዝተባህለ ትካል ዘካየዶ መፅናዕቲ ኣብዚ ዓመት ጥራይ ቾኮሌት ንምዕዳግ 1.7 ቢልዮን ዶላር ወጻኢ ከምዝተገብረ እቲ ትካል ይግምት።

እዚ ኣጋጣሚ እዚ ኣብዚ ኣብ ከባቢ ቨርጂና ንዝርከብ ሓደ ናይ ቾኮሌት ፋብሪካ ዓብዩ ዕዳጋ ፈጢሩ’ሎ።መስራትን ወናኒን ፓቶማክ ቾኮሌት ናይ ዝተባህለ ኩባኒያ ኣፍራይ ቾኮሌት ቤን ራስሙሴን ፅዑቕ ናይ ስራሕ እዋን እዩ ይብል።እቲ ኩባኒያ’ውን ብስርሓቱ ሽልማት ረኺቡ’ዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ቾኮሌት: ህያብ መዓልቲ ፍቑራትን