ሩስያን ሃገራት ምዕራብን ውዕል `ኪምበርሊ ፕሮሰስ` ክትግበር ዝሰማምዓ`ኳ እንተኾና፡ ብዛዕባ`ቲ ሩስያ ተፍርዮ ተፈጥሮኣዊ ማዕድን ኣልማዝ ግን ይሰሓሓባ`ለዋ። ውዕል `ኪምበርሊ ፕሮሰስ`፡ ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ ግጭት ዘበኣእስ `ናይ ደም ኣልማዝ` ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዕደና ማዕድን ንምውጋድ፡ ማዕድን ኣልማዝ ተፈጥሮኣዊ ዘይኮነ ኣብ ላቦራቶሪ ተመስሪሑ ናብ ዕዳጋ ክቐርብ ዘተባብዕ ውዕል `ዩ።
ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራትን 193 ኣባላቱን ነቲ 'ኪምበርሊ ፕሮሰስ' ዝብሃል ውዕል ኣፍልጦ ብምሃብ ተቐቢለን። ኪምበርሊ ፕሮሰስ ብሰንኪ መሸጣ ማዕድን ኣልማዝ ዝስዕብ ግጭት ንምክልኻል ዝዓለመ ኮይኑ፡ ባይቶ ጸጥታ ሕ/ሃ ኣብተን ነቲ ግጭት ዘጎሃህራ ሃገራት ኮነ ትካላት ማዕቀብ ክግብር ዝሕግዝ ስምምዕ`ዩ። ድሕሪ`ቲ ኣብ ኣንጎላ፡ ሰራልዮንን ላይበርያን ዝነበረ ደማዊ ኵናት ሕድሕድ ዕጡቓት ማዕድን ኣልማዝ ሸይጦም ነቲ ግጭት ከም ዝቕጽል ይገብርዎ ከም ዝነበሩ ምስተኣመነሉ`ዩ ውዕል ኪምበርሊ ፕሮሰስ ኣብ 2003 ተበጺሑ።
ዝሓለፈ ዓመት ሃገሩ ንኪምበርሊ ፕሮሰስ ብኣቦ መንበርነት ዝመርሐት ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ዚምባብወ ኣልበርት ቺምቢንዲ፡ ሕቡራት ሃገራት ማዕድን ኣልማዝ ጠንቂ ግጭት ዘይኮነስ ኣብ ዘላቒ ልምዓት ከም ዝውዕል ንምርግጋጽ ዝኣተዎ ቃል ከሐድስ ጸዊዑ ኔሩ።
ካብ ኣልማዝ ዝርከብ መኽሰብ ንግጭታት ነዳዲ ክውስኽ፡ መንግስታት ክዓሉ ከምኡ ዘይሕጋዊ መሸጣ ኣጽዋራት ከተባብዕ ከም ዝኽእል`ውን ኣጠንቂቑ።
ብኻልእ ወገን፡ ሩስያ ንውዕል ኪምበርሊ ፕሮሰስ ትድግፍ እኳ እንተኾነት፡ ንባዕላ ማዕድን ኣልማዝ ብምፍራይ ኣንጻር ካልእ ኣባል ሃገር ማለት ዩክሬን ወራር ፈጺማ ስለዘላ፡ ኪምበርሊ ፕሮሰስ ዓቢይ ብድሆ ገጢምዎ`ሎ ክብል ወኪል ሕብረት ኤውሮጳ ክለይተን ኮራን ንባይቶ ሕቡራት ሃገራት ጠሪዑ`ሎ።
ኣብ ታሪኽ ንመጀምርያ ግዜ ድማ ዝሓለፈ ሕዳር ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ምኽንያት ኣብ መንጎ ሩስያን ምዕራባውያንን ብዝተፈጥረ ፍልልይ ኪምበርሊ ፕሮሰስስ ተሳተፍቲ ኣብ ሓባራዊ ስምምዕ ክበጽሑ ኣይክኣሉን።
እቲ ፍልልይ ክመጽእ ዝኸኣለ ድማ፡ ሞስኮ ኣንጻር ኪየቭ ኣብ ትገብሮ ዘላ ኵናት፡ ምህርቲ ማዕድን ኣልማዝ ተራ ኣለዎ እንተኾይኑ ክጽናዕ፡ ዩክሬን ድሕሪ ምሕታታ`ዩ። ነቲ ሕቶ ድማ ኣመሪካ፡ ብሪጣንያንን ካልኦት ገለን ደጊፈንኦ። ሩስያን ብርክት ዝበላ መሓዙታን ከኣ ነቲ ሕቶ ነጺገንኦ ።
ኣብ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሓላፊ ክፍሊ ቁጠባ ዝኾነ ኣለክሳንደር ረፕኪን፡ ምዕራባውያን ሃገራት ነቲ ኣብ ማዕድን ኣልማዝ ዘሎ ዓለምለኻዊ ምርድዳእ፡ ንጂኦ-ፖለቲካዊ ረብሐአን ክብላ፡ ይጥምዝዝኦ ኣለዋ ክብል ወቒሱ።ኣስዒቡ ቀጻልነት ኪምበርሊ ፕሮሰስ ኣብ ሕቶ ወዲቑ`ሎ ሩስያ ግን ንምሕጋዙ ዝክኣላ ክትገብር`ያ ክብል ኣጠንቂቑ።
ወኪል ሕብረት ኤውሮጳ ክለይተን ኮራን ፡ ትርጉም ግጭታዊ ኣልማዝ ንተፈጥሮን ግጭትን ብዝጠምር መልክዕ ክሰፍሕን ዘይሕጋዊ ዕደና ኣልማዝ ኣብ ተፈጥሮ ከባቢ ዝህልዎ ኣሉታዊ ሳዕቤን ክርኣይን ኣተሓሳሲቡ።
ብሪጣንያ ድማ ብዛዕባ ሩስያ ተፍርዮ ማዕድን ኣልማዝን ኣብ ዩክሬን ትገብሮ ዘላ ወራርን ንዘሎ ምትእስሳር ክንዝትየሉ ዘይምኽኣልና ዘሕዝን`ዩ ኢላ።
ንኪምበርሊ ፕሮሰስ ኣብዚ ዓመት`ዚ ብኣቦ መንበርነት ትመርሖ ዘላ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ክትከውን ከላ፡ምኽትል ኣምባሳደራ መሓመድ ኣቡሻሃብ፡ ነቲ መስርሕ ዝከታተል ሓደ ኣካል ክቐውምን ብዲጂታላዊ ቴክኖሎጂ ተጠቒምካ ዝግበር ምክትታል ክህሉን ኣሚሙ`ሎ።