ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ንግዳያት ደርቂ ሓገዝ ዝውዕል ተወሳኺ 91 ሚልዮን ዶላር ከምዝለገሰት ኣፍሊጣ።
ኣብ ኢትዮጵያ መገሻ ይፍጽሙ ዘለው ሓድሽ ዳይረክተር ዓለም ለኸ ተራድኦ ኣሜሪካ (USAID) ኣምባሰደር ማርክ ግሪን ‘ኣሜሪካ ንጠለብ ሰብኣዊ ሓገዝ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝውዕል ተወሳኺ 91 ሚልዮን ዶላር ከምዝለገሰት ኣፍሊጦም’።
እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ፣ እቶም ዳይረክተር፣ መንግስቲ ኢትዩጵያ ‘ድምጺ ኩሎም ወገናት ዝስማዓሉ ባይታ ንክፍጠርን ኣብ ሕገ መንግስቲ ዝተወቀጡ መሰላት ንክኽበሩ ጭቡጥ ስጉምቲ ንክወስድን’ ኣተሓሳሲቦም።
Your browser doesn’t support HTML5