ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዘጋጠመ ደርቂ ብፍላይ ንምብራቕ ኣፍሪቃ ዘጥቕዓ ምኻኑ ተሓቢሩ

  • ተወልደ ወልደገብረኤል

ዳይሬክተር ናይ ኣሜሪካ ዓለምለኸ ትካል ረድኤት ልምዓት (USAID) ለስሊ ሪክ

ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዘጋጠመ ደርቂ ብፍላይ ድማ ንምብራቕ ኣፍሪቃ ዘጥቕዓ ምኳኑ ኣብ ኢትዮጵያ ዳይሬክተር ናይ ኣሜሪካ ዓለምለኸ ትካል ረድኤት ልምዓት (USAID) ሓቢረን።

ንሰን ብተወሳኺ ዓለምለኸ ማሕብረሰብ ነዚ ኣብ ግምት ዘእተወ ምላሽ ክህብ ኣዘካኺረን።

ዳይሬክተር ናይ ኣሜሪካ ዓለምለኸ ትካል ረድኤት ልምዓት ለስሊ ሪክ ኣብዚ ዓመት ‘ዚ ዘጋጠመ ደርቂ ንብርኽት ዝበለ ከባቢታት ዝተናኸፈ ኾይኑ ንደርቂ ዝወሃብ ዘሎ ምላሽ ኸአ ንዕኡ ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ኣለዎ ይብላ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ደርቂ ን5.6 ሚልዮን ሰባት ተጸበይቲ ረድኤት ጌሩ’ሎ። ነዞም 5.6 ሚልዮን ተጸበይቲ ረድኤት ንምድሓን ድማ 948 ሚልዮን ዶላር ከምዘድልይ ተመልኺቱ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዘጋጠመ ደርቂ ብፍላይ ንምብራቕ ኣፍሪቃ ዘጥቕዓ ምኻኑ ተሓቢሩ