USAID ናብ ኢትዮጵያ ዘዋፈሮ ጉጅለ መልሰ-ግብሪ ሓደጋ ስርሑ ጀሚሩ

መልሰ ግብሪ ሓደጋ (DART) ኣብ ኢትዮጵያ ብጥንቂ’ቲ ኣል ኚኖ ዝተባሃለ ኩነታት ለውጢ ኣየር ዝተፈጥረ ደርቂን ጉድኣት ቅድሚ ምውራዱ ንምቁፅፃሩ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝወፈረ ተገሊጹ።

ኣብ’ታ ጉጅለ ኪኢላታት መደባት፣ ናይ ብርክት ዝበሉ ዓመታት ተመክሮ ኣብ ዘፈር ሰብኣዊ ሓገዛት ዘኻዕበቱ ሰብ-ሞያ፣ ሎጂስቲካዊ ደገፍ ዝልግሱ ቴክኒካዊ ኣማኸርቲን ሰብ ሞያ እንስሳ ዘቤትን ከምዝሓቆፈት’ውን ጆነታን ኣንደርሰን ይዛረብ።

ሚስተር ጆነተን ኣንደርሰን ‘ብሰንኪ’ቲ ከቢድ ደርቂ እንስሳ ዘቤት ከምዝሞታ ክገልፅ ከሎ ድሕሪ መፅናዕትና ግና ብሰንኪ ደርቂ ዝሞተ ሰብ ኣይረኸብናን’ ኢሉ።

መብዛሕትኡ ጊዜ ካብ ተቃወምቲን ነቀፍቲን ዝስማዕ ኣባሃህላ’ሎ። እቲ ፀገም ሕፅረት ገንዘብ ዘይኮነስ ‘መንግስቲ ነቲ ዝተረኸበ ገንዘብ፣ ንመዐወቲ ፖለቲካዊ ዕላማ ስለዘውዕሎ’ዩ’ ኢሎም ይዛረቡ።’ እሞ መንግስቲ ረድኤት ንፖለቲካዊ ዕላማ ይጥቀመሉ’ዶ ኣሎ? ኢልናዮ ‘ሓገዝ ገንዘብ ኣብ ምዕዋት ካልእ ዕላማ ንምውዓሉ ዝሕብር ሪፖርት ኣይሰማዕኩን’ ኢሉና።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ሙሉእ ቃለ መጠይቅ