መግለጺ ሚንስትሪ ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ኩነታት ኢትዮጵያ

ኣሜሪካ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዞባ ኦሮሚያ ዝተፈጥረ ግጭትን ዝሰዓበ ሞት ብዙሓት ሰልፈኛታትን ብዓሚቕ ኣሻቒልዋ`ሎ። በቲ ዝጠፍአ ህይወት ንሓዝን ንቤተሰብ መውቲ’ውን ጽንዓት ንምነ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሰላማዊ ተቓውሞ ከፍቅድን ሕጋዊ መረረ ንምስማዕ ሃናጺ ልዝብ ክኸፍትን ነተሓሳስብ። ተሰለፍቲ`ውን ኻብ ጎንጺ ክቑጠቡን፡ ንልዝብ ክፉታት ክኾኑን ነተሓሳስብ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዘይካ ህዝባዊ ምኽክር እቲ ኣሰሓሓቢ ፕሮግራም ልምዓት ተግባራዊ ከምዘይከውን ብወግዒ ገሊጹ`ሎ።

ኣሜሪካ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቁሩብ`የ ኢሉ ንዝገለጾ ልዝብ ብምድጋፍ ንኹሎም ኣብ`ቲ ጉዳይ ኢጀታ ዘለዎም ኣካላት ብዝቐልጠፈ ኣብ ልዝብ ከሳትፎም ነተሓሳስብ።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

Your browser doesn’t support HTML5

መግለጺ ሚንስትሪ ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ኩነታት ኢትዮጵያ