ዓለም ምኽትላት ሕጹያት ፕረዚደንት ኣሜሪካ ርሱን ክትዕ ኣካይዶም ጥቅምቲ 05, 2016 Republican vice-presidential nominee Gov. Mike Pence and Democratic vice-presidential nominee Sen. Tim Kaine, right, walk past each other after the vice-presidential debate at Longwood University in Farmville, Va., Tuesday, Oct. 4, 2016. ምኽትል ሕጹይ ፕረዚደንት ኾይኑ ዝወዳደር ዘሎ ሪፓብሊካን ማይክ ፐንስ፡ ኣብ`ቲ ምስ ዲሞክራቲክ ምኽትል ሕጹይ ቲም ከይን ዝገበሮ ክትዕ፡ ኣብ ልዕሊ ዲሞክራቲክ ፕረዚደንታዊት ሕጽይቲ ሂላሪ ክሊንተን በሊሕ ነቐፌታ ደርብዩ። ዋሽንግተን — “ ሂላሪ ክሊንተን ሚልዮናት ኪሎ ሜትራት መገሻታት ኣካይዳ፡ ሃንዳሲት ፖሊስ ወጻኢ ባራክ ኦባማ ኾይና፡ ግን ሎሚ ኣመሪካ ጸጥትኣ ጎዲሉ ይርከብ’። ምኽትል ሂላሪ ዝኾነ ቲም ከይን ብወገኑ፡ “ ዶናልድ ትራምፕ፡ ተወሰኽቲ ሃገራት ኑክሌራዊ ኣጽዋር እንተወነና፡ ዝያዳ ሰላም ዝነግስ`ዩ ዝመስሎ” ኢሉ። ትራምፕ፡ ቀረጽ ኣይከፈለን፡ ምስ ሩስያ ዝገበሮ ንግዲ`ውን ይሓብእ ኣሎ ይብል ቲም ከይን። ክልቲኦም ምኽትላት፡ ኣብ ጉዳይ ምክልኻል ግብረ ሽበራ፡ ጉዳይ ኢሚግረሽንን ካልእ'ውን ተራጺሞም`ዮም። እንተኮነ ክትዕ ምኽትላት ሕጹያት ኣብ ውጽኢት ፕረዚደንታዊ ብዙሕ ለውጢ ከምዘየምጽእ እዩ ዛጊት ብዘሎ ታሪኽ ዝፍለጥ፡ ምሉእ ትሕዝቶ ምስማዕ ይክኣል። Your browser doesn’t support HTML5 ምኽትላት ሕጹያት ፕረዚደንት ኣሜሪካ ርሱን ክትዕ ኣካይዶም